ኣብ ሓደ ወርሒ ኣስታት ሽዱሽተ ክትጠንስሎም እትኽእሊ መዓልቲታት ኣለዉ: ቅድሚ እቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ዘለዋ ኣስታት ሓሙሽተ መዓልቲታትን ኣብቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ዝተኻየደሉ መዓልቲን። መዓስ ክትጠንሲ ከምትኽእሊ ንምፍላጥ፣ ኣብ ቀጻሊ መዓስ እንቋቑሖ ከም እተፍርዪ ክትፈልጢ ኣለኪ። እዚ ንምትንባይ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ዘኣጎለ እንቋቑሖ እቲ ቀጻሊ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት (መጀመርያ እቲ ሓድሽ ዑደት) ካብ 10 ክሳዕ 14 መዓልቲ ክተርፎ እንከሎ ይካየድ። እቶም ዑደታት ኩሉግዜ እተፈላለየ ንውሓት ክህልዎም ይኽእል። ስለዚ ብምግባጥን ብምቑጻርን ጥራይ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ምፍላጥ ዘተኣማምን ኣይኮነን።

ኣብነት 1 - ስሩዕ ዑደት 28 መዓልቲ: እቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ኣስታት መበል 14 መዓልቲ ዑደትኪ ይካየድ። ዘኣጎለ እንቋቑሖ ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ዘለዋ 5 መዓልቲታትን ኣብቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ዝተኻየደሉ መዓልቲን ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብነት 2 - ስሩዕ ዑደት 23 መዓልቲ: እቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ኣስታት መበል 9 መዓልቲ ዑደትኪ ይካየድ። ዘኣጎለ እንቋቑሖ ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ዘለዋ 5 መዓልቲታትን ኣብቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ዝተኻየደሉ መዓልቲን ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣብነት 3 - ስሩዕ ዑደት 34 መዓልቲ: እቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ኣስታት መበል 20 መዓልቲ ዑደትኪ ይካየድ። ዘኣጎለ እንቋቑሖ ቅድሚ ምክያዱ ኣብ ዘለዋ 5 መዓልቲታትን ኣብቲ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ዝተኻየደሉ መዓልቲን ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ምልክታት

ኣብ እዋን ዘኣጎለ እንቋቑሖ ኣብ ኣካላትኪ ንዝረኣዩ ምልክታት ምስትውዓል ሃቢ:

  • ኣብ ርሕሚኺ ዝያዳ ፈሳሲ ይህልወኪ። እቲ ፈሳሲ ቁሩብ ንጻዕዳ ሕብሪ እንቋቑሖ ዝመስልን ተመጣጢን እዩ።
  • መጠን ሙቐት ኣካላትኪ ቁሩብ ክብ ይብል።
  • እቲ ክሳድ ማህጸን ኣዝዩ ልዕል ስለዝብል ኣብ ከባቢ ርሕሚ ዘሎ ኮይኑ ኣይስመዓኪን። እቲ ክሳድ ማህጸን ቁሩብ ይገፍሕን ይልስልስን።

ገለ ኣንስቲ ኣብ እዋን ዘኣጎለ እንቋቑሖ ቁሩብ ሕማም ከብዲ ይህልወን (ቃንዛ ከብዲ)።

መከላኸሊ ጥንሲ

ኣብዚ ሕጂ እዋን ቆልዑት ክትወልዲ እንድሕር ዘይትደልዪ መከላኸሊ ጥንሲ ትጥቀሚ ምህላውኪ ኣረጋግጺ።