ዓገትቲ ሜላታት

ካብ ነጉዒ፣ ጎማ ወይድማ ካብ ሲሊከን ዝስራሕ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከይበጽሑ ዝዓግት መከላኸሊ እዩ:

ኮንደም
ናይ ደቂኣነስትዮ ኮንደም
ዳያፍራም

ሆርሞናዊ ሜላታት

ሆርሞናት ኣብ ልዕሊ ወሲባዊ ኣካላት ጓልኣነስተይቲ ጽልዋ የሕድሩ እዮም። እቶም ሆርሞናት ሰለስተ ጽልዋታት የሕድሩ: ዘኣጎለ እንቋቑሖ ይከላኸሉ፣ ዕልቋቕ ናብ ማህጸን ከይኣቱ ይኽልክሉ ከምኡድማ እቲ ናይ ማህጸን ፈሳሲ ሽፋን ንጥንሲ ከይዳሎ ይኽልክሉ።

መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና
ዓንኬል ርሕሚ
ተጠቃዒ መከላኸሊ ጥንሲ
ሆርሞናል IUD
ኣብ ቅልጽም ዝስኳዕ መከላኸሊ ጥንሲ
ብመርፍእ ዝወሃብ መከላኸሊ ጥንሲ

ኣብ ማህጸን ዝስኩዑ መሳርሒታት

ነዞም መሳርሒታት መከላኸሊ ጥንሲ ዶክተር ወይከኣ ካልእ ናይ ጥዕና ሞያዊ ናብ ናይ ጓልኣነስተይቲ ማህጸን የእትዎም:

ሆርሞናል IUD
ኣብ ማህጸን ዝስኳዕ IUD

ተፈጥሮኣዊ ሜላታት

ናይ ጽግያት መዓልቲታትኪ እትፈልጥሎም እተፈላለዩ ሜላታት ኣለዉ። እቶም ተፈጥሮኣዊ ሜላታት ምስቶም ካልኦት ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ክወዳደሩ እንከለዉ ብዙሕ ዘተኣማምኑ ኣይኮኑን።

  • ሜላ ሲምፕቶ-ተርማል: እዚ ሜላ ንምጥቃም ኩሉ መዓልቲ ብንጉሆኑ ቅድሚ ምንቅስቓስኪ ናይ ኣካላትኪ መጠን ሙቐት ክትልክዒ ኣለኪ። እቲ ኣብ ርሕሚኺ ዘሎ ፈሳሲ ከመይ ከምዝለዋወጥ ትዕዘቢ። ኩሉ መዓልቲ ዘዝተዓዘብክዮ እናጸሓፍኪ ተቕምጢ። ካብቲ ኣብ መጠን ሙቐት ኣካላትኪ ዝተፈጥረ ለውጢን ናይ ርሕሚኺ ፈሳሲን ተበጊስኪ፣ ናይ ጽግያት መዓልቲታትኪ ክትፈልጢ ትኽእሊ ኢኺ። እዚ ሜላ ንኽትጥቀሚ ዝያዳ ሓበሬታን ዝርዝር መምርሒን የድልየኪ። ንዶክተርኪ ወይከኣ ንካልእ ናይ ጥዕና ሞያዊ ሕተቲ። ብተወሳኺ ናይ ጽግያት ዕለታት ዘግብጣ ናይ ዑደት ኮምፒዩተራትን መተግበሪታትን ኣዉ። እንተኾነ ግን እዚኦም ጥራሕ ምጥቃም ውሑስ ኣይኮነን።
  • ካብ ርሕሚ ኣውጺእኻ ምፍሳስ: እቲ ሰብኣይ ልክዕ ኣብ ጫፍ ጥርዘውነ / ምፍሳስ ዕልቋቕ ክበጽሕ እነከሎ ቀዲሙ መትሎኡ ካብ ርሕሚ የውጽእ። ይኹን እምበር – ዋላ ቅድሚ ምፍሳስ ዕልቋቕ፣ ገለ ፈሳሲ ካብቲ መትሎ ክነጥብ ይኽእል እዩ። እዚ ፈሳሲ መብዛሕትኡ ግዜ ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ዝሓዘ እዩ። ስለዚ እዚ ሜላ ዘተኣማምን ኣይኮነን።
  • ንቆልዓኺ ጸባ ጡብ ምጥባው: ኣብተን ድሕሪ ሕርሲ ዘለዋ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ኢኺ ጡብ ምጥባው ከም መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀምሉ ትኽእሊ። ቆልዓኺ ናይ ግድን ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ሽዱሽተ ግዜ ጸባ ጡብ ከተጥብውዮ ኣለኪ። ናይ ግድን እንተወሓደ ኣብ መዓልቲ ን 80 ደቓይቕ ጸባ ጡብ ከተጥቡውዮ ኣለኪ። እቲ ቆልዓ ጸባ ጡብ ጥራይ ኢኺ ክትምግብዮ ዘለኪ። ጸባ ጡብ ምጥባው ከም መከላኸሊ ጥንሲ ከገልግል ዝኽእል ድሕሪ ሕርሲ ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት እንድሕር ክሳዕ ዘይመጸኪ ጥራይ እዩ። ጡብ ምጥባው ዘተኣማምን መከላኸሊ ጥንሲ ኣይኮነን። 
  • ብርሕሚ ካብ ዝግበር ስጋዊ ርክብ ምዕቃብ።

እቶም ተፈጥሮኣዊ ሜላታት ናይ ግድን ብጥንቃቐ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ኣለዎም። ዋላ ንእሽቶይ ጌጋ እንተፈጺምኪ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብቲ ግዜ እቲ ቆልዑት እንድሕር ዘይትደልዪ ኮንኪ፣ ካልእ ሜላ እንተተጠቐምኪ እዩ ዘሕይሽ። ምኽሪ ንምርካብ ንዶክተር ወይ ንናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ሕተቲ

ቀዋሚ መከላኸሊ ጥንሲ: ምምካን

ሓደ ሓኪም ንሰብኣይ ወይ ንሰበይቲ መጥባሕቲ ይገብር። ኣብ ደቂ ኣንስትዮ ሻምብቆ እንቛቕሖ ብምቑራጽ እቲ ወሃዮ እንቛቕሖ ናብ ማህጸን ከምዘይበጽሕ ይግበር። ኣብ ደቂ ተባዕትዮ ድማ መትረብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይቑረጽ'ሞ እቲ ወዲ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ዘይብሉ ዕልቛቕ የፍስስ። ንሱ ከም ንቡር ስጋዊ ርክብ ክገብር ይኽእል እዩ፡ ግና ነታ ጓል ኣንስተይቲ ከጥንሳ ኣይክእልን እዩ። እቲ ወዲ ተባዕታይ ይኹን እታ ጓል ኣንስታይቲ ድሕሪ`ዚ ውላድ ክረኽቡ ኣይክእሉን እዮም። ጾታዊ ስምዒቶም ግና ኣይትንከፍን እዩ። 

ምምካን ኣዝዩ ዘተኣማምንን ዜጠራጥርን መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። ስለዚ እቲ ውሳነ ብግቡእ ዝተሓስበሉ ክኸውን ኣለዎ። ዋላ ሓደ (ብዙሓት) ቆልዓ ዘይትደሊ እንተኾንካ ምምካን ጽቡቕ ምርጫ እዩ።

ናይ ክልቲኦም መጻምድቲ ግቡእ

ክልቲኦም መጻምድቲ መከላኸሊ ጥንሲ ናይ ምጥቃም ግቡእ ኣለዎም። ክትጥቀምዮም እትኽእልዮም ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ብዝምልከት ከም መጠን መጻምድቲ ምስ መጻምድትኺ ክትዘራረቢ ኣለኪ።