እቲ ልጋብ መከላኸሊ ጥንሲ ሓደ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ

እቲ ልጋብ መከላኸሊ ጥንሲ ረቂቕ ዓጓ ተጣባቒ ፕላስተር እዩ። ልክዕ ከም ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ 2 ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። እቶም ሆርሞናት ዘኣጎለ እንቋቑሖ ይከላኸሉ። ብተወሳኺ እቶም ዋሃዮታት ፍረዘርኢ ናብ ማህጸን ከይኣትዉን ናብ ዋሃዮ እንቋቑሖ ከይበጽሑን ይከላኸሉ። 

ኣወሳስዳ ልጋብ መከላኸሊ ጥንሲ

እቲ ልጋብ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ ግበርዮ:

  • ነቲ ከረጢት ቀዲድካ ክፈቶ ኣብቲ ሓደ ገጽ ናይቲ ከረጢት ንእሽተይ ሕርሓር ኣሎ። 
  • እቲ ፓኮ ክፈትዮ።
  • አቲ ልጋብ ልሒጽኪ ነቲ ፕላስቲክ ገበር ካብቲ ከረጢት ኣወግድዮ። 
  • ፍርቂ ናይቲ ተኸላኸሊ ንጹር ገበር ለሓጽዮ። 
  • እቲ ልጋብ ኣብ ከብድኺ፣ መቐመጫኺ፣ ዝባንኪ፣ እንግዳዐኺ ወይከኣ ኣብ ደጋዊ ክፋል ላዕለዋይ ኢድኪ፣ ኣብ ንቑጽ፣ ጽሩይ ቆርበት ኣጣብቕዮ። 
  • እቲ ተጣባቓይ ኣካል ናይቲ ልጋብ ናብ ቆርበትኪ ጠቅዕዮ እቲ ዝተረፈ ገበር ከኣ ደርብዪዮ። ነቲ ናይ ቆርበት ልጋብ ብሓይሊ ጽቐጥዮ። 
  • እቲ ልጋብ ን 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ጌርክዮ ጽንሒ። ነቲ ልጋብ ኣወግድዮ። 
  • ኣብ ሕድሕድ ሰሙን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሓድሽ ግበሪ (ንኣብነት: ረቡዕ) ኣብቲ 2ይን 3ይን ሰሙን;
  • ኣብ 4ይ ሰሙን ልጋብ ኣይትጥቀሚን። ኣብዚ ሰሙን እዚ ክትደምዪ ክትጅምሪ ኢኺ (ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያት)። ብተወሳኺ ኣብዚ ሰሙን መከላኸሊ እናወድኪ ኢኺ። 
  • ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ናይቲ ሰሙን ሓድሽ ልጋብ ትገብሪ (ንኣብነት: ረቡዕ)፣ ዋላ እናደመኺ እንከለኺ።
  • እቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ቅደምሰዓባት ድገምዮም።
ነቲ ከረጢት ቀዲድካ ክፈቶ ኣብቲ ሓደ ገጽ ናይቲ ከረጢት ንእሽተይ ሕርሓር ኣሎ።
እቲ ፓኮ ክፈትዮ።
አቲ ልጋብ ልሒጽኪ ነቲ ፕላስቲክ ገበር ካብቲ ከረጢት ኣወግድዮ።
ፍርቂ ናይቲ ተኸላኸሊ ንጹር ገበር ለሓጽዮ።
እቲ ልጋብ ኣብ ከብድኺ፣ መቐመጫኺ፣ ዝባንኪ፣ እንግዳዐኺ ወይከኣ ኣብ ደጋዊ ክፋል ላዕለዋይ ኢድኪ፣ ኣብ ንቑጽ፣ ጽሩይ ቆርበት ኣጣብቕዮ።
እቲ ተጣባቓይ ኣካል ናይቲ ልጋብ ናብ ቆርበትኪ ጠቅዕዮ እቲ ዝተረፈ ገበር ከኣ ደርብዪዮ። ነቲ ናይ ቆርበት ልጋብ ብሓይሊ ጽቐጥዮ።
እቲ ልጋብ ን 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ጌርክዮ ጽንሒ። ነቲ ልጋብ ኣወግድዮ። ኣብቲ 2ይን 3ይን ሰሙን ሓድሽ ግበሪ። ኣብ 4ይ ሰሙን ልጋብ ኣይትጥቀሚን። ኣብዚ ሰሙን ክፍለ ግዜ ወርሓዊ ጽግያትኪ ይጅምር። ድሕሪ 7 መዓልቲ (1 ሰሙን) ዋላ እናደመኺ ሓድሽ ልጋብ ክትገብሪ ኣለኪ።

ዘተኣማምን

እቶም ልጋብ መከላኸሊ ጥንሲ ብግቡእ እንድሕር ተጠቒምክሉ ኣዝዩ ዘተኣማምን።
እቲ ልጋብ ብዙሕ ዘየተኣማምን ክኸውን ዝኽእል:

  • ጸረ ነፍሳት ወይ ጸረ ሕማም ምንፍርፋር ወይ ኤችኣይቪ እንድሕር ትወስዲ ኣለኺ ኮንኪ። ኣብ ዶክተር ወይ ፋርማሲስት ኣረጋግጺ;
  • እቲ ልጋብ ድሕሪ ናይ 7-መዓልቲ ዕረፍቲ ከተእትውዮ እናተገበአኪ እንድሕር ሲዕክዮ፣ ወይከኣ ክትቅይርዮ እናተገበአኪ እንድሕር ረሲዕክዮ;
  • እቲ ልጋብ እንተጥፊእኽዮሞ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓት (1 መዓልቲ) ሓድሽ እንድሕር ዘይጌርኪ።

እቲ ልጋብ መከላኸሊ ጥንሲ ጌርኪ እናሃለኺ ኣካላትኪ ማይ ክትሕጸቢ፣ ክትሕምሲ ከምኡድማ ስፖርታዊ ንጥፈታት ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ። 

ኣብ ጥዕናኺ ዘስዕቦ ሃስያ

እቲ ልጋብ መከላኸሊ ጥንሲ ሆርሞናት ዝሓዘ እዩ። እዞም ሆርሞናት ብሓፈሻ ጥዕናኺ ዝጎድኡ ኣይኮኑን። 

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ግን ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ምምራጽ ይሓይሽ። ንኣብነት: ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 15 ሽጋራ እንድሕር ተትክኽሞ ዕድመኻ ልዕሊ 35 ዓመት እንተኾንካ፣ ንሕማም ልቢ ወይከኣ ቫስኪዩላር ሕማም ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋኻ ልዑል እንተኾይኑ። ናይ ዶክተር ምኽሪ ሕተቲ

እቲ ልጋብ ጽግየትኪ ኣይንክየልኪን። ክትጠንሲ እንተደሊኺ፣ እቲ ልጋብ ኣወግድዮ።

እቲ ልጋብ ኣብ እትጥቀምሉ መጀምርያ ወርሒ፣ ከም ሕብጠት ኣጥቧት፣ ሕማም ርእሲ፣ ስግድግድ ወይከኣ ቁስሊ ቆርበት ዝኣመሰሉ ጎድናዊ ሳዕቤናት ከጋጥሙኺ ይኽእሉ እዮም። እቶም ጎድናዊ ሃስያታት ኩሉግዜ ኣብ መጀመርያ ክብድ ይብሉ፣ ቀስብቐስ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ኣዋርሕ ይገድፉኺ። እቲ ጸገም ክሓድግ እንተ ዘይክኢሉ ካልእ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ ክትቅይሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ናይ ወርሓዊ ጽግያት ክፍለ ግዜኺ ክብደቱን ቃንዛኡን ይንኪ።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታትን ኤችኣይቪን

እቲ ልጋብ መከላኸሊ ጥንሲ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓለለፉ ሕማማት ወይከኣ ኤችኣይቪኣይከላኸልን። ኮንደም ጥራይ እዩ ክከላኸለልኪ ዝኽእል።