መከላኸሊ መንገዲታት

ኤችኣይቪ እንተልዩካሞ እንተዘይተሓኪምካ፣ ዋላ ገና ምልክታት ኣይሃልዉኻ ፣ ናብ ካልኦት ሰባት ከተሕልፍ ትኽእል ኢኻ።  

ናይ ባዕልኻ በላሕቲ ነገራት፣ ወይ ሓደሽቲ ማቴርያላት ንበይንኺ ጥራይ ተጠቐምሎም።
ኤችኣይቪ እንድሕር ኣለኪ ኮይኑ ኣብ እዋን ጥንሲኺ ኣፋውስ ውሰዲ።

ኤችኣይቪ መከላኸሊ ሕክምና

ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ንኤችኣይቪ ናይ ምቅላዕ ስግኣተ-ሓደጋ ዘለዎም ሰባት መከላኸሊ ሕክምና ካብ ክፍሊት ናጻ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ሕክምና "PrEP" እዩ ዝበሃል። እዚ ሕክምና ብኤችኣይቪ ናይ ምትሓዝ ስግኣተ-ሓደጋኻ ኣዝዩ ከምዘንኪ ኣብ ምግባር ኣዝዩ ዕዉት እዩ።

PrEP ብኣውርኡ ሰብኡት ኮይኖም ምስ ሰብኡት ስጋዊ ርክብ ንዝፍጽሙ (MSM) ከምኡድማ ትራንስሴክሽወል ሰባት ዝወሃብ ክኸውን እነከሎ፣ ረቛሒታቱ ከኣ፣

  • ኣብተን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ ምስ ብዙሓት መጻምድቲ መከላኸሊ ኣልቦ ስጋዊ ርክብ ዝገበሩ እንተኾይኖም፣ ከምኡድማ
  • እዚ ኣብ ቀጻሊ እውን ክድገም ይኽእል እዩ ኢሎም ዝኣምኑ እንተኾይኖም። 

ካልኦት PrEP ኣገዳሲ ክኸውን ዝገብሩ ረቛሒታት ከኣ:  

  • ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ እንተልዩካ ወይከኣ ኣብተን ዝሓለፋ 12 ኣዋርሕ PEP ኣድልዩካ እንተኔሩ።
  • ኣብ ትሕቲ ጽልዋ ዕጸፋርሳት ኮንካ ስጋዊ ርክብ ትፍጽም እንተኾንካ።
  • ካብ ውሑዳን ድሕረባይታ ዝመጻእካ እንተኾንካ።

ን PrEP ኣብ ግምት ክትኣትው እንተደሊኻ ንሓፈሻዊ ሓኪምካ ወይ ነቲ ሆስፒታል ኣዘራርብ። 

ህጹጽ ረድኤት ኣብ ዝጠልብ ኩነታት

ንኤችኣይቪ እንድሕር ተቓሊዕኻ ኔርካ፣ "PEP" ዝበሃል መድሓኒት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። እቲ መድሓኒት ብኤችኣይቪ ከይትልከፍ ይከላኸለልካ። እቲ መድሓኒት እንተኽኢልካ ብቕልጡፍ ውሰዶ (ነቲ ረኽሲ ካብ እትቃላዕ ልዕሊ 3 መዓልቲ ንላዕሊ ከይወሰድካ ክትጸንሕ የብልካን)። ነቲ ረኽሲ ካብ እተቓላዕኻሉ ግዜ ኣትሒዝካ ቀልጢፍካ ብዘወሰድካዮ ቁጽሪ ካብቲ ረኽሲ ናጻ ናይ ምዃን ዕድልካ ክብ ይብል። PEP እንድሕር ደሊኻ፣ ኣብ ከባቢኻ ካብ ዝርከብ ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ ኣገልግሎታት ዝህብ ማእከል ካብ ክፍሊት ናጻ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብዚ ብዛዕባ PEP ሕቶታት ክትሓትት እውን ትኽእል ኢኻ። 

ትሑት ናብ ካልኦት ናይ ምትሕልልፋ ስግኣተ-ሓደጋ

ናይ ኤችኣይቪ ኣፋውስካ ኩሉ መዓልቲ ብግቡእ እንድሕር ትወስድ ኮንካ፣ ኣብ ደምካ ዘሎ በዝሒ ኤችኣይቪ (ጻዕቂ ቫይረስ) ይንኪ። ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ እቲ ቫይረስ ዋላኳ ኣብ ሰውነትካ ይሃሉ ኣበይ ከምዘሎ ምፍላጥ ኣብ ዘይከኣለሉ ደረጃ ይበጽሕ። ሽዕኡ ናብ ካልኦት እተመሓላልፈሉ ስግኣተ-ሓደጋ ዳርጋ የለን።

ደይመደይ ኢልካ ኤችኣይቪ ናብ ካልኦት ምትሕልላፍ፣ ወይከኣ ብፍላጥካ ካልኦት ናብ ዝለዓለ ናይቲ ረኽሲ ስግኣተ-ሓደጋ ክቃልዑ ምግባር ብሕጊ የቕጽዕ እዩ። ካልኦት ነቲ ረኽሲ ከይቃልዑ ንምክልኻል እትኽእሎ እንተጌርካ፣ ክትቅጻዕ ኣይትኽእልን። ንኣብነት: ኮንደም እንድሕር ተጠቒምካ ከምኡድማ/ወይድማ ዕዉትናይ ኤችኣይቪ ሕክምና ትወስድ እንተሊኻ። 

ስለዚ፣ ብኮንደም ወሲባዊ ርክብ ክትገብር ትደሊ እንተኾንካ ንዶክተርካን ንመጻምድትኻን እንተተዘራርብ ይምከር።