ኤችኣይቪ ኣለካዶ የብልካን ንምፍላጥ ናይ ኤችኣይቪ መርመራ ግበር።

እቲ ሰውነት ብኤችኣይቪ ምስተለኽፈ፣ ኣብ ውሽጢ ደም ጸረ ነፍሳት ይፈጥር። እቶም ጸረነፍሳት ብዘተኣማምን ኣገባብ ብናይ ኤችኣይቪ መርመራ ክልለዩ ይኽእሉ እዮም።

እቲ ናይ ኤችኣይቪ መርመራ ብዘተኣማምን ኣገባብ ብኤችኣይቪ ከምዝተለኸፍካ ከርእየካ ዝኽእል፣ ካብቲ ተለኺፍካሉ ክትከውን እትኽእል ግዜ እንተወሓደ ድሕሪ ሽዱሽተ ሰሙን እዩ። ድሕሪ 3 ኣዋርሕ እቲ መርመራ ሙሉእብሙሉእ ዘተኣማምን ይኸውን።  

እቲ መርመራ ዘድልየካ ምዃኑን መዓስ ክትወስዶ ከምዘለካን ንምፍላጥ ነቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ኣዘራርቦ።

እቲ መርራ ከምዚ እዩ ክኸውን:

  • እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ካባኻ ደም ወሲዱ ናብ ላብራቶሪ ክልእኾ እዩ።
  • ኣብቲ ላብራቶሪ፣ ደምካ ናይ ጸረነፍሳት መርመራ ክግበረሉ እዩ።
  • እቲ ውጽኢት ካብቲ ላብራቶሪ ንምርካብ ኣስታት ሓደ ሰሙን ይወስድ። 
  • እቲ መርመራ ውጽኢቱ ኣወንታዊ እንተኾይኑ፣ እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ እቲ ውጽኢት ንዓኻ ይገልጸልካ ካብኡ ከኣ እንታይ ክትገብር ከምዘለካ ምሳኻ የዝቲ።

ስሉጥ መርመራ

ውጽኢት ንምርካብ ሰሙን ክትጽበ ዘይትደሊ እንኾንካ፣ ስሉጥ መርመራ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። እዚ መርመራ ስሉጥ ውጽኢታት ይህበካ:

  • እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ናይ ደም መርኣያ ክወስድ እዩ። ድሕሪ ሒደት ደቓይቕ ውጽኢትካ ትወሃብ።
  • ኤችኣይቪ እንድሕር ዘይተረኺቡካ፣ ብኤጅኣይቪ ተለኺፍካ ክትከውን እትኽእለሉ ዕድል ዳርጋ ዜሮ እዩ። 
  • ኣብ ደምካ ኤችኣይቪ እንተተረኺቡ፣ እቲ ውጽኢ ደጊምካ ንምርግጋጽን ርግጸኛ ንምዃንን ካልኣይ ክትምርመር ኢኻ።
  • መረጋገጺ ናይቲ ውጽኢት ኣስታት ድሕሪ ሓደ ሰሙን ክትቅበል ኢኻ። እቲ ውጽኢት ኣወንታዊ እንተኾይኑ፣ ስሩዕ ናይ ማዕዳ ኣገልግሎታት ክትረክብ ኢኻ። 

ምስ ናይ ጥዕና ሞያዊ ተዘራረብ

ንዶክተር ከምኡድማ ንካልእ ናይ ጥዕና ሞያዊ ብናጽነት ከተዘራርብ ትኽእል ኢኻ። እቲ ናይ ጥዕና ሞያዊ ዝኾነ ሓበሬታ ብዘይ ናትካ ፍቓድ ንኻልእ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይፍቀደሉን። ዋላ ንስድራቤትካ ወይ ንመጻምድትኻ ክህብ ኣይክእልን። ንሱ / ንሳ ብዛዕባኻ ንኻልእ ከይዛረቡ ብሕጊ ይኽልከሉ እዮም (ሚስጢራዊነት)።

ኣብ ብዙሓት ከተማታት ኖርወይ ናይ ሓፈሻዊ ሓኪም መወከሲ ከየድለየካ ኤችኣይቪ ክትምርመረሎም እትኽእለሎም ካልኦት ቦታታት እውን ኣለዉ። ኣብ ገለ ቦታታት መንነትካ ሓቢእኻ ክትምርመር ትኽእል ኢኻ (ስምካ ከይሃብካ)። ኣብዚ እውን ድሕሪ ውጽኢት እቲ መርመራ ናይ ምኽሪ ኣገልግሎት ክትረክብን ዝደለኻዮ ሕቶታት ክትሓትትን ትኽእል ኢኻ። እቲ መርመራን እቶም ማዕዳታትን ክልቲኦም ብናጻ እዮም ዝወሃቡ።