ኣድልዎ ኣይፍቀድን

ኣብ ኖርወይ፣ ኩሉሰብ ናይ ኤችኣይቪ ኩነታት ብዘየገድስ ማዕረ መሰላት ኣለዎ ብማዕረ ሕጊታት ከኣ ይግዛእ።

ኣብ ኖርወይ፣ ብምኽንያት ኤችኣይቪ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣድልዎ ምፍጻም ወይከኣ ዘይማዕርነታዊ ኣልያ ምግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ። እዚ ኩሎም ሰባት ኣብ ውልቃዊ መነባብሮኦም፣ ሞያዊ ህይወቶምን ናይ ስድራቤት ህይወቶምን ማዕረ ዕድላት ክረኽቡ ኣለዎም ማለት እዩ። እዚ ኣብ ሕጋገ ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ሰፊሩ ይርከብ። 

ኣድልዎ እንድሕር ተፈጺሙኩም ካብ ትካል ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ማዕዳን ሓበሬታዊ መምርሒን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም

ንኻልኦት ሰባት ምንጋር

ኣብ ኖርወይ፣ ኤችኣይቪ ወይ ኤይድስ ከምዘለኩም ንኻልኦት ናይ ምንጋር ግዴታ የብልኩምን፣ ስለዚ ባዕልኹም ኢኹም ንመን ክትነግሩ ከምዘለኩም ትውስኑ። 

ኣብ ኖርወይ፣ ኤችኣይቪን ምስ ኤችኣይቪ ዝተኣሳሰሩ ሕክምናዊ ጉዳያትን ብናይ ተላባዕቲ ሕማማት ሞያዊ እዮም ዝሕከሙ፣ ይኹን እምበር ብዛዕባ ናይ ኤችኣይቪ ምጽረያኻ ንሓፈሻዊ ሓኪምካ ክፈልጥ ኣለዎ ምኽንያቱ እዚ ኣል ልዕሊ ኣተኣላልያ ካልኦት ሕማማት ጽልዋ ስለዘሕድር። 

ናይ ኤችኣይቪ መድሓኒት ትወስዱ እንተሊኹም፣ ንኹሎም ዶክተራትካ ክትነግሮም ኣለካ፣ ምኽንያቱ ንኻልኦት ሕማማት ኢሎም ዝህቡኻ ኣፋውስ ምስቲ ናይ ኤችኣይቪ መድሓኒት ዝሳነዩ ምዃኖም ከረጋግጹ ኣለዎም።

ኤችኣይቪ ናብ ካልኦት ሰባት ምትሕልላፍ

ኣብ ኖርወይ፣ ደይመደይ ኢልካ ኤችኣይቪ ናብ ካልኦት ሰባት ምትሕልላፍ ወይከኣ ካልኦት ሰባት ብዘይፍቓዶም ነዚ ስግኣተ-ሓደጋ ክቃልዑ ምግባር ብሕጊ ክልኩል እዩ። እዚ ኣብ ስሩዕ ርክብን ኣብ ካልኦት ወሲባዊ መጻምድቲን ዝሰርሕ ሕጊ እዩ። 

ካልኦት ነቲ ረኽሲ ከይቃልዑ ንምክልኻል እትኽእሎ እንተጌርካ፣ ክትቅጻዕ ኣይትኽእልን። ኣብ ከምዚ ዝስዕብ ኩነታት ክትቅጽዑ ኣይትኽእሉን:

ካብ ንግዲ ስጋዊ ርክብ፣ መድሓኒት መውግኢ ብምጥቃም ከምኡድማ ካብ ኣዶ ናብ ህጻን ዘጋጥም ምትሕልላፍ እውን ብሕጊ ኣየቕጽዕን 

ናይ ዶክተር-ተሓካማይ ሚስጢራዊነት

ከም መትከል፣ ዶክተራትን ካልኦት ናይ ጥዕና ሞያውያንን ብዘይ ናትኩም ፍቓድ ንስኹም ኤችኣይቪ ከምዘለኩም ንዝኾነ ሰብ ክነግሩ ኣይፍቀደሎምን። እዚ ማእከል ሸቕሉ (Nav)፣ UDI፣ ኣስራሒኺ፣ ፖሊስ፣ ቤት-ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ፣ ቤተሰብ ወዘተ እውን የጠቓልል።

ንናይ ሚስጢራዊነት ግዴታ ዝምልከቱ ፍሉይነታት

ኤችኣየቪ እንተልዩኪሞ እንድሕር ዘይተሓኪምክዮ፣ ዶክተርኪ ንኻልእ ለኪምኪ ክትኮኒ ትኽእሊ ወይከኣ ብቀጻሊ ክትልክሚ ትኽእልሉ ስግኣተ-ሓደጋ ኣሎ ዝብል እምነት እንተልዩዎ፣ ኤችኣይቪ ከምዘለኪ ንኻልኦት ክነግር/ክትነግር መሰል ክልዎ ይኽእል እዩ። 

ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፣ እቲ ዶክተር ንስኺ ኤችኣይቪ ከምዘለኪ ንኻልኦት ክነግር ግዴታ ክህልዎ ይኽእል እዩ። 

እቲ ዶክተር መጀመርያ ንዓኺ ከዘራርበኪ ኣለዎ።

ኤችኣይቪን መድሕንን

ኤችኣይቪ እንድሕር ኣለኪሞ መድሕን እንድሕር ዓዲግኪ፣ ኣብቲ መስርሕ ሕማም ኣለኪዶ ተባልኪ ክትሕተቲ እንከለኺ፣ ኤችኣይቪ ከምዘለኪ ክትነግሪ ኣለኪ።

እንድሕር ሓሲኺ፣ እቲ ውዕል ውዱቕ ክኸውን እዩ።

እዚ ዋላ ሓንቲ ናይ መድሕን መሰል ዘይብልኪ ክትኮኒ ክገብረኪ እዩ ከምኡድማ እቲ ኣቐዲምኪ ዝኸፈልክዮ ገንዘብ ኣይክምለሰልኪን እዩ።

ኤችኣይቪን ሸቕሊን

ኤችኣይቪ እንተልዩኪ፣ ልክዕ ከም ካልእ ሰብ ኣብ ኖርወይ ስራሕ ክትሰርሒ፣ እንኮላይ ኣብ ዓውዲታት ስራሕ ነርሲንግ፣ ክንክን ኣጋውያን፣ ክንክን ህጻውንቲን ናይ መንእሰያት ሓገዝን፣ ወይድማ ኣብ ምምስራሕ መግቢ ክትሳተፍ መሰል ኣለካ።

ኤችኣይቪ ብዕለታዊ ናይ መነባብሮ ዕዮታት ኣይሓልፍን።

ናይ ሸቕሊ መጠየቕታ ምእታው

ኣብ ናይ ሸቕሊ ቃለመሕተት፣ እቲ ኣስራሒ ነቲ ክትሰርሖ ተሓሲቡ ዘሎ ስራሕ ዝምልከቱ ኣገደስቲ ሕቶታት ክሓተካ እዩ። እቲ ኣስራሒ ብመርመራ ዝተለለየ ሕማም እንተሎኪ ክሓተኪ ኣይፍቀደሉን፣ ብዛዕባ ምስቲ ሸቕሊ ዝዛመዱ ዕዮታት ናይ ምስራሕ ዓቕሚኻ ዝምከቱ ሕቶታት ግን ክሓተካ ይፍቀደሉ እዩ። ብፍላጥካ ነቶም ሕቶታት ግጉይ መልሲታት እንተሂብካ፣ እቲ ኣስራሒ ድሕሪ ግዜ በዚ ምኽንያት ክሰጎካ ይኽእል እዩ።

ነቲ ሸቕሊኻ ብዝምልከት ኣገዳሲ እዩ ኢልካ እንተዘይኣሚንካ ነቲ ኣስራሒኻ ኤችኣይቪ ከምዘለካ ክትነግሮ የብልካን። ንኣስራሒኻ ኤችኣይቪ ከምዘለካ ምንጋር ኣገዳሲ ዝኾነሎም ሒደት ሞያታት ኣለዉ (ንኣብነት ኣብ ገማግም ባሕሪ እንድሕር ትሰርሕ ወይከኣ ትኪ ዳይቨር)፣ ከምኡድማ ኤችኣይቪ እንድሕር ኣለካ ክትሰርሖም ዘይትኽእሎም ሒደት ዓይነታት ስራሕ እውን ኣለዉ። ንሓላፊኻ ኤችኣይቪ ከምዘለካ እንተነጊርካዮ፣ እቲ ሓላፊኻ ብወገኑ ንመሳርሕትኻ ክነግር ኣይፍቀደሉን።

ብተወሳኺ ዋላ እቲ ኣስራሕ ክትምርመር እንተሓተተካ እንድሕር ዘይደሊኻ ናይ ኤቸኣይቪ መርመራ ክትገብር የብልካን።

ኤችኣይቪ እንተልዩካን እቲ ሕማም ብዕዉት ኣገባብ እንድሕር ተሓኪሙን፣ ካብ ኤችኣይቪ ዘይብሎም ሰባት ንላዕሊ ኣይክትሓምምን ኢኻ።

መስጎግቲ

ኤችኣይቪ ዘለካ ብምዃንካ እንድሕር ተባሪርካ፣ ኣንጻር እዚ ስጉምቲ ክትቃለስን ጠበቓ ከተሳትፍን ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኖርወይ ሓደ ሰብ ኤችኣይቪ ስለዘለዎ ጥራይ ካብ ስራሕ ምስጓግ ብሕጊ ክልኩል እዩ