ኣብ ኖርወይ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣድልዎ ምፍጻም ወይከኣ በደል ምፍጻም ኣይፍቀድን:
- ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት መበቆሉ/ላ ኣድልዎ ክፍጸሞ/ማ ኣይፍቀድን። ሰባት ካብ ዝኾነ ሃገር ይምጽኡ ወይከኣ ኣብ ዝኾነ ሃገር ይዕበዩ ዘገድስ ኣይኮነን።
- ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት ጾታኡ ኣድልዎ ክፍጸሞ ወይ ክብደል የብሉን። እዚ ሰብኡት፣ ኣንስቲ፣ ከምኡድማ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ተባሂሎም ክግለጹ ዘይኽእሉ ሰባት የጠቓልል።
- ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣብ ወሲባዊ ዝንባለ፣ ጾታዊ መግለጺ ወይ ጾታዊ መንነት፣ ንኣብነት ግብረሰዶማውያን ወይ ትራንስ ብምኻኖም ኣብ ልዕሊኦም ኣድልዎ ምፍጻም ክልኩል እዩ።
- ሰባት ብምኽንያት ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ስንክልናኦም ኣድልዎ ክፍጸሞም የብሉን።
- ሰባት ብምኽንያት ሃይማታዊ እምነቶም፣ ኣተሓሳስባኦም ወይ ኣረኣእያኦም ኣድልዎ ክፍጸሞም የብሉን – ንናይ ኩሎም ሃይማታት ተኸተልቲ ሰባት ከምኡድማ ንሃይማኖት ኣልቦ ሰባት ይምልከት።
- ሰባት ብምኽንያት ዕድሚኦም ኣድልዎ ክፍጸሞም የብሉን – ኣናእሽይ ይኹኑ ኣረግቶት ብዘየገድስ።
ኣድልዎ እንድሕር ተፈጺሙኩም ካብ ትካል ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ማዕዳን ሓበሬታዊ መምርሒን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።