ኣብ ኖርወይ፣ ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣድልዎ ምፍጻም ወይከኣ በደል ምፍጻም ኣይፍቀድን: 

  1. ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት መበቆሉ/ላ ኣድልዎ ክፍጸሞ/ማ ኣይፍቀድን። ሰባት ካብ ዝኾነ ሃገር ይምጽኡ ወይከኣ ኣብ ዝኾነ ሃገር ይዕበዩ ዘገድስ ኣይኮነን።
  2. ዝኾነ ሰብ ብምኽንያት ጾታኡ ኣድልዎ ክፍጸሞ ወይ ክብደል የብሉን። እዚ ሰብኡት፣ ኣንስቲ፣ ከምኡድማ ሰብኡት ወይ ኣንስቲ ተባሂሎም ክግለጹ ዘይኽእሉ ሰባት የጠቓልል።
  3. ኣብ ልዕሊ ሰባት ኣብ ወሲባዊ ዝንባለ፣ ጾታዊ መግለጺ ወይ ጾታዊ መንነት፣ ንኣብነት ግብረሰዶማውያን ወይ ትራንስ ብምኻኖም ኣብ ልዕሊኦም ኣድልዎ ምፍጻም ክልኩል እዩ
  4. ሰባት ብምኽንያት ኣእምሮኣዊ ወይ ኣካላዊ ስንክልናኦም ኣድልዎ ክፍጸሞም የብሉን።
  5. ሰባት ብምኽንያት ሃይማታዊ እምነቶም፣ ኣተሓሳስባኦም ወይ ኣረኣእያኦም ኣድልዎ ክፍጸሞም የብሉን – ንናይ ኩሎም ሃይማታት ተኸተልቲ ሰባት ከምኡድማ ንሃይማኖት ኣልቦ ሰባት ይምልከት።
  6. ሰባት ብምኽንያት ዕድሚኦም ኣድልዎ ክፍጸሞም የብሉን – ኣናእሽይ ይኹኑ ኣረግቶት ብዘየገድስ።

ኣድልዎ እንድሕር ተፈጺሙኩም ካብ ትካል ማዕርነትን ጸረ-ኣድልዎን ማዕዳን ሓበሬታዊ መምርሒን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም