ሓፈሻዊ ናይ ጽቡቕ ርክብ መግለጺ የለን። ንስኻን መጻምድትኻን ኢኹም ጽቡቕ ርክብ ንዓኹም እንታይ ከምዝኾነ ክትውስኑ ዘለኩም።

ገለ ኣገደስቲ መግለጺታት ጽቡቕ ርክብ እዞም ዝስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ:

  • ማዕርነት: ክልቲኦም መጻምድቲ ማዕረ እዮም። ሓደ መጻምድቲ ኣብ ልዕሊ እታ መጻምድቱ ዕብለላ ክገብር የብሉን;
  • ክብሪን ተቐባሊነትን: ንስኻን መጻምድቲኻን 2 እተፈላለኹም ሰባት ኢኹም። ኩሉግዜ እተፈላለኹም ኮንኩም ኢኹም ትነብር ስለዚ እዚ ክትቅበሉዎ ኣለኩም;
  • እምነት: ንሓድሕድኩም ትተኣማመኑ ከምኡድማ መኻፍልቲ ሚስጢር ትኾኑ;
  • መስተራኽብ: ስምዒታትኩምን ትምኒታትኩምን ትገልጹ;
  • ግዜ: ብሓባር ግዜ ተሕልፉ;
  • ድሌታት: ተመሳሳሊ ድሌታት ይህልወኩም…

ንገለ ሰባት፣ ኣብ ርክብ ንሓድሕድካ ምፍታው ኣገዳሲ እዩ። ንካልኦት ሰባት ድማ፣ ጽቡቕ ርክብ ኣብ ዕርክነት ዝተደረኸ እዩ።

ጽቡቕ ርክብ ብዛዕባ ክልቴኹም ዝስመዓኩም ስምዒት እዩ። ንስኻን መጻምድትኻን እቲ ርክብ ጽቡቕ ስሚዕት ይፈጥረልኩም እንተልዩ ትውስኑ።