ኩሉሰብ ፍሉይ ትጽቢታትን ትምኒታትን እዩ ዘለዎ ከምኡድማ ኩሎም ርክባት እውን ዝተፈላለዩ እዮም። ይኹን እምበር፣ ኣብ ነብሲ ወከፍ ርክብ ክልቲኦም መጻምድቲ ስምዒታቶም፣ ትምኒታቶምን ሓሳባቶምን ክገልጹ ምኽኣሎም ኣገዳሲ እዩ። ዋላ ኣብ ርክባቶም ወይድማ ኣብ ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወቶም ጸገማት ይሃልዉ፣ ክረዳድኡ ክፍትኑ ኣለዎም።

ንሓድሕድኩም እንታይ ክተዕልሉ ኣለኩም

ስምዒትካ መጻምድትኻ ክፈልጦ ምግባር ብዛዕባ ክልቴኹም ምውጋዕ ክትጅምሩ ክሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ብዙሕ ነገራት ምስ መጻምድትኻ ከተዕልል ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት:

  • ናይ መጻኢ ሕልምታትኩምን መደባትኩምን;
  • ክትገብሩዎም እትደልዩ ንጥፈታት;
  • ብዛዕበ መጻምድትኹም እትፈትዉዎም ነገራት;
  • ብዛዕባ ቆልዑት ምውላድን ዘይምውላድን;
  • ቃሕታታትኩም፣ ሜላታትኩም፣ ዘይጭበጥ ድሌታትኩምን ስምዒታትኩምን: ኣብ ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወትኩም ብዛዕባ ትፈትዉዎን ዘይትፈትዉዎን ነገራት
  • ቅንኢ፣ ፍርሓታትኩምን ስክፍታታትኩምን: ኣብ ርክባትኩም ዘይትደልዩዎ ነገራት፣ ደረታትኩም
  • ውሑስ ስጋዊ ርክብ: ናይ ኮንደምን ካልኦት መከላኸሊ ጥንሲን ጥቕሚ

ንሓድሕድኩም ከመይ ክትዘራረቡ ኣለኩም

ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ወይ ብዛዕባ ምስ መጻምድትኻ ዘለካ ርክብ ምስ መጻምድትኻ እንተተዘራሪብካ:

  • ክትዘራረቡ ዘኽእል እኹልግዜ እትረኽቡሉ ኩነታት ምረጽ;
  • ንሓድሕድኩም ንዘይምውቕቓስ ፈትኑ;
  • ዘይምርድዳእ ንምውጋድ ተሪርኩም ስርሑ (ኣብ ዝርዝራት ኣድህቡ);
  • ንመጻምድትኻ ክብሪ ሃብ;
  • ብዛዕባ ስምዒታትካን ትምኒታትካን ንነገራት እትርደኣሉ መንገዲን ተዛረብ።

ምስ መጻምድትኻ ብዛዕባ ፍቕራዊ ነገራት ምዝርራብ ከቢድ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ፍቕራዊ ነገራት ምስ መጻምድትኻ ምውጋዕ ኣጸጋሚ እንድሕር ኮይኑካ፣ ንእትኣምኖ ካልእ ሰብ ኣዘራርብ ወይ ናይ ሞያዊ ሓገዝ ሕተት።