ወሲባዊ ፍስሃ ነቲ ምስ ወሲባዊ ተግባራት ተኣሳሲሩ ክመጽእ ዝኽእል ጽቡቕን ዘሕጉስን ስምዒታት ዝገልጽ እዩ። እዞም ስምዒታት መብዛሕትኡ ግዜ ብወሲባዊ ምትንኻፍ ዝመጹ ክኾኑ እንከለዉ፣ ሓደሓደ ግዜ ግን ብሓሳብን ሕልማዊ ባህጊታትን እውን ክመጹ ይኽእሉ እዮም።

ንገዛእርእስኻን ንመጻምድትኻን ወሲባዊ ፍስሃ ክትህብ ትኽእል ንሓድሕድኩም እንተተላሓሒስኩም

  • ወይ ንገዛእርእስኻ እንተልሒስካ፣
  • ንመጻምድትኻ ስዒምካ ካብኡ ኸኣ መጻምድትኻ ክትስዕመካ እንተጌርካ፣
  • ንመጻምድትኻ ብመልሓስካ እንተተናኺፍካያ ወይ መጻምድትኻ ንዓኻ ብመልሓሳ ክትተናኽፈካ እንተጌርካ እዩ …

ወሲባዊ ፍስሃ ኣብ ብዙሓት ኣካላት ሰውነት ብዝግበር ምትንኻፍ ክብ እናበለ ይኸይድ። ገለ ቦታት ብፍላይ ተኣፈፍቲ እዮም። እዞም ቦታታት መረሳሰንቲ ባይታታት ይበሃሉ። እዚኦም፣ ንኣብነት:

  • ኣፍ
  • ክሳድ
  • ገጽ
  • ርሕሚን ከንፈር ርሕሚን (ሰበይቲ)
  • መትሎን ፍረነብሲታትን (ሰብኣይ)
  • መዓኮራት
  • መሃንቱስ
  • ውሽጣዊ ክፋል ኣስላፍ
  • ኣጥቧት (ሰበይቲ) / ኣፍ ልቢ (ሰብኣይ) ከምኡድማ መቑለመታት
  • ኣእዳው፣ ኣጻብዕቲ፣ ኣጻብዕቲ ኣእጋር ወይ ከብዲ እግሪ
  • ገልበድ እዝኒ
  • ሕምብርቲ፣ ከብዲ
መረሳሰንቲ ኣካላቲ ዝረኣዩሉ ናይ ሰብኣይ ቅድሚት
መረሳሰንቲ ኣካላት ዝረኣዩሉ ናይ ሰብኣይ ዝባን
መረሳሰንቲ ኣካላቲ ዝረኣዩሉ ናይ ሰበይቲ ቅድሚት
መረሳሰንቲ ኣካላት ዝረኣዩሉ ናይ ሰበይቲ ዝባን

ሓድሕድ ግዜን ነፍሲ ወከፍ ሰብን ዝተፈላለዩ እዮም።

ስጋዊ ርክብ ኣብ ሓድሕድ ግዜ ንሓድሕድ ሰብን ፍሉይ ክኸውን ይኽእል እዩ። ክልቴኹም ብዛዕባ እትፈትዉዎ ዓይነትን ከመይ ከምትፈትዉዎን ምስ መጻምድትኻ ተዘራረቡ (ልስሉስ ወይ ተሪር፣ ቀስታ ወይ ናህሪ፣ ብኣጻብዕቲ፣ ብኸናፍር፣ ወይ ብመልሓስ...)።

ወሲባዊ ርክብ ክትፍጽም ትኽእል ኢኻ፣ ግን ንወሲባዊ ፍሳሃ ናይ ግድን ወሳኒ ኣይኮነን። ንሓድሕድኩም ክትፋተዉን ክትቃረቡን ጥራይ እውን ትኽእሉ ኢኹም: ምትሕቑቛፍ፣ ምልሕሓስ፣ ምዝርራብ፣ ናይ ሓድሕድኩም ምቅርራብ ምስትምቓር...

ኣዝዩ እንድሕር ወቲሩኩም፣ ኣብ ጥርዘውነ ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም ግን ኣብ ጥርዘውነ ናይ ዘይምብጻሕ ተኽእሎ እውን ኣሎ። ንስኻን መጻምድትኻን ብኡኡ ታሕጓስኩም ክሳዕ ዘይሳኣንኩም ጸገም የብሉን።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት

ብተወሳኺ ኮንደም ክትጥቀሙ እንከለኹም እውን ወሲባዊ ፍስሃ ከተስተማቕሩ ትኽእሉ ኢኹም። ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ንምክልኻል ኮንደም ተጠቐም