ስጋዊ ርክብ ንኹሎም ወሲባዊ ረስኒ ክፈጥሩልኩም ዝኽእሉ ተግባራት ይገልጽ። ስጋዊ ርክብ ልዕሊ ወሲባዊ ርክብ እዩ። ምስዕዓም፣ ምልሕሓስን ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብን፣ ካልኦትን እውን የጠቓልል እዩ። ብተወሳኺ ምስባዕልኻ እውን ስጋዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ (እዚ ሴጋ ይበሃል)።

ወሲባውነት ቀንዲ መግለጺ ደቂሰባት እዩ። ንገዛእርእስኻ እትገልጸሉ ልሙድን ኣወንታዊን መንገዲ እዩ። ወሲባዊነት ወሲብ ጥራይ ዘይኮነስ ካልኦት ጉዳያት እውን ይሓቁፍ እዩ፣ ንኣብነት: ወሲባዊ ባህታን ምቅርራብን፣ ኣናቶሚን ቆልዑት ምውላድን፣ ንወሲባዊ ባህሪይ ዝምልከቱ ነውሪታትን ክብሪታትን።

ስጋዊ ርክብ እንገብረሎም ምክንያታት

ብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ ትኽእለሊ ኢኺ፣ ንኣብነት:

እተፈላለዩ መንገዲታት ስጋዊ ርክብ

ስጋዊ ርክብ ብብዙሕ ዝተፈላለየ መንገዲ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም

  • ወሲባዊ ርክብ;
  • ምልሕሓስ;
  • ምትሕቑቛፍ;
  • ምስዕዓም;
  • ምጥብባው;
  • ወሲባዊ ስምዒት ዘበጋግሱ ከባቢታት ሰውነት ምኩሻም…

ስጋዊ ርክብ ምስ ካልእ ሰብ ወይከኣ ምስ ባዕልኻ ክትገብር ትኽእል ኢኻ (ሴጋ)።

ስጋዊ ርክብ ብዛዕባ ግቡእ ሜላታት ምፍላጥ ጥራይ ኣይኮነን። ንናይ ነፍሲ ወከፍካ ስምዒታትን ድሌታትን ጠመተ ምሃብ፣ ሓበራዊ ምቅርራብ ምህናጽን ግቡእ ኩነታት ምፍጣርን እውን ኣገደስቲ እዮም። 

ፈተነታት ብምግባር ናትካን ናይ መጻምድትኻን ድሌት እንታይ ከምዝኾነ ፍለጥ። ብዛዕባ ቃሕታኻን ስምዒታትካን ምስ መጻምድትኻ ተዘራረብ። ብተወሳኺ ባዕልኻ እውን ክትለማመድ ትኽእል ኢኻ።

ስጋዊ ርክብ ኣብ ሕድሕድ ግዜ ዝተፈለየ ዓይነት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ናይ ሰባት ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወት ኣብ መዋእሎም እናተቐየረ ክኸይድ ይኽእል እዩ፣ ንኣብነት ሰውነቶም ወይ ናይ ወሲብ ናፍቖቶም (ሊብዶ) ስለዝቕየር። እዚ ንቡር እዩ። ገለ ሰባት ንነዊሕ ወይ ንሓጺር እዋን ስጋዊ ርክብ ከይገበሩ ይጸንሑ። 

እተፈላለዩ ርክባትን ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወታትን

ሰባት ብዙሓት እተፈላለዩ ዓይነታት ርክባትን ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወታትን ኣለዎም። ንኣብነት: ገለ ሰባት ቅድሚ መርዓ ስጋዊ ርክብ ይጅምሩ፣ ገሌኦም ድማ ክሳዕ ዝምርዐዉ ይጽበዩ። ገለ ሰባት ሓደ/ሓንቲ መጻምድቲ ጥራይ ይሕዙ፣ ካልኦት ከኣ ምስ ብዙሓት ይጻመዱ። 

ገለ ሰባት ኣብ ወሲባዊ ስምዒታት ወይ ንጥፈታት ድሌት የብሎምን። እዚኦም ስጋዊ ርክብ ኣልቦ እዮም። ሓደ ሰብ መዋእሉ ስጋዊ ርክብ ኣልቦ ኮይኑ ከሕልፎ ይኽእል ወይከኣ ንሓጺር እዋን ስጋዊ ርክብ ኣልቦ ክኸውን ይኽእል። 

ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት እውን ንሓድሕዶም ስጋዊ ርክብ ክጋበሩ ይኽእሉ እዮም። ንገለ ሰባት እዚ ወሲባዊ ባህሪኦም (ግብረሰዶማዊነት) ዝገልጹሉ መንገዲ እዩ፣ ገሌኦም ሰባት ድማ ምስ ተመሳሳሊ ጾታ ስጋዊ ርክብ ዋላኳ እንተገበሩ ንገዛእርእሶም ከም ግብረሶደማዊ ኣይቖጽሩን። 

ወሲባዊ ስምምዕ

ኩሉግዜ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ እንከለኺ ብፍቓድኪ ክኸውንን ድልውቲ ክትኮኒን ኣለኪ። ስምምዕ ማለት ክልቲኦም ስጋዊ ርክብ ዝጋበሩ ሰባት ስጋዊ ርክብ ንክገብሩ ክስማዕምዑ ኣለዎም ከምኡድማ ሓዲኦም ኣብ ዝደለዩዎ ቅጽበት ስጋዊ ርክብ ከቋርጹ መሰል ከምዘለዎም ዝገልጽ እዩ።

ዝኾነ ሰብ ኣገዲዱ ናብ ስጋዊ ርክብ ከእትወኪ ከይትፈቕዲ።