ሴጋ ማለት ናይ ገዛእርእስኻ ሰውነት ብፍላይ ርሕሚ፣ ጭንቅራ፣ መትሎ፣ መቑለመታት ወይ መሃንቱስ ብኢድካ ጌርካ ብምርስሳን ንገዛእርእስኻ ወሲባዊ ፍስሃ ምሃብ ማለት እዩ።
ብተወሳኺ ነገራት ተጠቒምካ እውን ሴጋ ምግባር ይከኣል እዩ፣ ከም ዲልዶ ወይ ቫይብሬተር (ናይ ስጋዊ ርክብ ባምቡላታት)። ሰውነትካ/ኪ ከይትጎድእ ተጠንቀቕ/ቒ።
ብናጽነት ፈተነታት ብምግባር እንታይ ከምትፈቱ ፍለጥ።
ሴጋ ጎዳኢ ኣይኮነን። ብዙሓት ሰብኡትን ብዙሓት ኣንስቲን ሴጋ ይገብሩ እዮም። ሴጋ ዘይምግባር እውን ጸገም የብሉን።
ኣብ ርክብ እንከለኻ ጥራይ ሴጋ ክትገብር እውን ትኽእል ኢኻ።
ሴጋ ኣገባብራ
ብዝተፈላለየ መንገዲ ሴጋ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ንኣብነት:
ሰብኣይ:
- መቑለመታት፣ መትሎ፣ ከረጢት ፍረነብሲ፣ መዓኮር ምልሓስ;
- ነቲ መትሎ ጨቢጥካ ኢድካ ንላዕሊን ንታሕቲን ምንቅስቓስ;
- እቲ ምንቅስቓስ ብናህሪ፣ ቅኒትን ጻዕቂን ዝተፈላለየ ክኸውን ምግባር።
ዝተኸንሸብካ እንተኾንካ፣ ከም ቫዝሊን ወይከኣ ዘይቲ ዘይብሎም ፍሉያት መለስለስቲ ልኻያት (ኣብ ማይ ዝተደረኹ) ምጥቃም ኣድላዪ እዩ። ፈጺምካ ቫዚልን ምስ ኮንደም ከይትጥቀም። ነቲ ኮንደም ክሃስዮ ይኽእል እዩ።
ሰበይቲ: