ምኽንሻብ ቆቢዕ መትሎ ሙሉእብሙሉእ ወይ ብኸፊል ዝውገደሉ መጥባሕቲ እዩ።
ድሕሪ ምኽንሻብ፣ ቆርበት ናይ ኣናፊ መትሎ ቁሩብ ርቕቕ ዝበለ ይኸውን። ሓላሓሊፉ ድማ ቁሩብ ክጽልም ይኽእል።
ምኽንያታት ምኽንሻብ
ምኽንሻብ ዝካየደሎም ብዙሓት ምኽንያታት ኣለዉ:
- እቲ ቆቢዕ መትሎ ኣዝዩ ጸቢብ ስለዝኾነ ንድሕሪት ንምኽባስ የጸግም እዩ። ክትሸይን እንከለኻ፣ ከምኡድማ ክወትረካ እንከሎ ወይከኣ ስጋዊ ርክብ ክትገብር እንከለኻ ከቐንዝወካ ይኽእል;
- ሃይማኖታዊ ምኽንያታት;
- ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ምኽንሻብ ከም ሜላ መከላኸሊ ኤችኣይቪ ኣብ ጥቕሚ ይውዕል። ኣብ ኤውሮጳ ምኽንሻብ ከም መከላኸሊ ኤችኣይቪ ክኸውን ኣይምከርን።
ገለ ኣንስቲ እውን ይኽንሸባ እየን። እዚ ንደቂኣነስትዮ ጎዳኢ ስለዝኾነ፣ ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ተባሂሉ ይጽዋዕ።