መርዓ ኣብ መንጎ 2 መጻምድቲ ዝፍጠር ወግዓዊ ሕብረት እዩ። ሓደ መርዓ ብሕጊ ኣፍልጦ ንኽረክብ፣ ገለ ረቛሒታት ከማልእ ኣለዎ

ገለ ሰባት ብፍቕሪ ምኽንያት ይምርዓዉ። ካልኦት ከኣ ብተግባራዊ ወይ ማቴርያላዊ ምኽንያታት ይምርዓዉ፣ ንኣብነት: ንገንዘባዊ ረብሓ፣ ሓይሊ፣ ደረጃ፣ ቆልዑት ንምውላድ። እቲ መርዓ ብናይ ቤተሰብ መደብ ክካየድ፣ ወይከኣ ክልቲኦም መጻምድቲ ክምርዓዉ ስለዝደለዩ ክካየድ ይኽእል። 

መርዓ ናይ ክልቲኦም ድሉውነት ይሓትት።

ብናይ ቤተሰብ መደብ ዝካየድ መርዓ

ኣብ ምዱብ መርዓ፣ እቶም ወለዲ ወይ ካልኦት ኣባላት ቤተሰብ ደቆም ወይከኣ ዘይተመርዓወ ዘመዶም ንመን ክምርዓዉ ከምዘለዎም ይመርጹ። ሰብኡትን ኣንስቲን ኩሎም ክምርዓዉ ይኽእሉ እዮም። 

መብዛሕትኡ ግዜ እቶም መናእሰይ ክምርዓዉ ይደልዩዶ ኣይደልዩን ባዕሎም እዩም ዝውስኑ፣ ይኹን እምበር ኩሉግዜ ከምዚ እዩ ማለት ግን ኣይኮነን። ብመሰረት ሕጊ ኤውሮጳ ክትምርዓዎ ንዘይትደልዮ ሰብ ብኣስገዳድ ክትምርዖ ኣይትኽእልን ኢኻ። ኣስገዳድ መርዓ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ኩሉሰብ መጻምድቱ ክመርጽ መሰል ኣለዎ።። ነታ ካልኦት ዝመረጹልካ መጻምድቲ ክትምርዖ እንተዘይደሊኻ፣ ብዛዕባኡ ንእትኣምኖ ሰብ ንገር፣ ወይ ናይ ሞያዊ ሓገዝ ሕተት

ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መርዓ

ኣብ ኖርወይን ብዙሓት ሃራት ኤውሮጳን፣ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ክመራዓዉ ይኽእሉ እዮም