መከላኸሊ ኣልቦ ስጋዊ ርክብ እንድሕር ትገብሪ፣ ዋላ ከይደለኺ ክትጠንሲ ትኽእሊ ኢኺ።

መከላኸሊ ጥንሲ እናወስድኪ እንከለኺ እውን ወዝባዊ ተጓንፎ ጥንሲነን ሃንደበት ምጥናስን ከጋጥም ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ማለት ዋላ መከላኸሊ ጥንሲ እናወሰድኪ እውን ክትጠንሲ ትኽእልሉ ዕድል ኣሎ ማለት እዩ። ንኣብነት፣ ኮንደም ክመሉቕ ይኽእል። ከኒና ምውሳድ ክትርስዒ ትኽእሊ ወይድማ ከቢድ ውጽኣት እንድሕር ኣጋጢሙኪ እቲ ከኒና ብግቡእ ዘይክሰርሕ ይኽእል።

እንታይ ክገብር ኣለኒ?

ክትጠንሲ እንተደሊኺ : ዋላሓንቲ ኣይትግበሪ።

ክትጠንሲ እንተዘይደሊኺ፣ ክልተ ምርጫታት ኣለዉኺ:

  1. ናይ ህጹጽ እዋን ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ክትወስዲ ትኽእሊ።
  2. ናይ ነሓስ IUD ንምግባር ናይ ጥዕና ሞያዊ ከድልየኪ ይኽእል።

ናይ ህጹጽ እዋን ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ

እቶም ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒናታት ዘኣጎለ እንቋቑሖ ከምዝድንጒ ይገብሩ ወይ ይኽልክሉ። እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ስጋዊ ርክብ ምስገበርኪ ብቕልጡ እንተተኻኢሉ ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ክልተ ሰዓታት እንተወሰድክዮ ይምረጽ። ክልተ ዝተፈላለዩ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ከኒናታት ኣለዉ። እቲ ሓደ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ እንተነዊሑ ን 72 ሰዓታት (ሰለስተ መዓልቲ) ዘገልግል ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ካልእ ድማ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ንልዕሊ 120 ሰዓታት (ሓሙሽተ መዓልቲ) ኣይሰርሕን።

እቲ ናይ ህጹት እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ብዘይ ናይ ሓኪም ትእዛዝ ካብ ቤት-መድሓኒት ክትዕድጊዮ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ኣይክእልን። ብዛዕባ እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ካብ ቤት-መድሓኒት ወይ ካብ ናይ ጥዕና ሞያዊ ምኽሪ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።

እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ምንጻል ጥንሲ ኣየስዕብን። እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ጥንሲ ከይፍጠር እዩ ዝከላኸል። እዚ ከኒና ኣዝዩ ዘተኣማምን ስለዘይኮነ ድሕሪ 3 ሰሙን ናይ ጥንሲ መርመራ ክትገብሪ ኣለኪ። 

እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ከኒና ከም ስሩዕ መከላኸሊ ጥንሲ ኣይትጠቀምሉ። እቲ ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ካብ ሓደ ግዜ ወይ ካብ ክልተ ግዜ ንላዕሊ ክትወስዲ ናይ ግድን እንተኾይኑ፣ ካልእ ዝያዳ ዘተኣማምን ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እንተትመርጺ ይሓይሽ።

ብዛዕባ እተፈላለዩ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ምኽሪ ንምርካብ ምስ ዶክተርኪ፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ወይከኣ ምስ መሕረሲት ክትራኸቢ ትኽእሊ ኢኺ። 

ናይ ነሓስ IUD ከም ናይ ህጹጽ መከላኸሊ ጥንሲ

መከላኸሊ ኣልቦ ስጋዊ ርክብ ድሕሪ ምግባርኪ ኣብ ዘለዋ ቀዳሞት ሓሙሽተ መዓልቲ፣ ብናይ ነሓስ IUD እውን ጥንሲ ክትከላኸሊ ትኽእሊ ኢኺ። እቲ ናይ ነሓስ iud ዶክተር፣ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ነርስ ወይከኣ መሕረሲት ክትገብረልኪ ትኽእል እያ። እቲ ዝጸገየ እንቋቑሖ ናብ ማህጸንኪ ከይኣቱ ይኽልክል።

እቲ ናይ ነሓስ IUD ኣብ ህጹጽ እዋን እውን ዘገልግል ስሩዕ ሜላ መከላኸሊ ጥንሲ እዩ። ሽዕኡ ብቕጽበት ዘይተደለየ ጥንሲ ይከላኸል። እቲ IUD ኣብ ቀጻሊ ከም ስሩዕ መከላኸሊ ጥንሲ ክትጥቀምሉ ትደልዪ እንተኾንኪ ከም ናይ ህጹጽ እዋን መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም ዝበለጸ ይኸውን። እቲ ናይ ነሓስ IUD ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመታት ክቕየር ኣለዎ።