እቶም ብግልጺ ዝረኣዩ (ደጋዊ) ናይ ደቂኣነስትዮ ወሲባዊ ኣካላት ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ወይከኣ ሕምቦ ተባሂሎም እውን ይጽውዑ እዮም።

እዚኦም እዞም ዝስዕቡ የጠቓልሉ:

ኣእጋራ ዘርጊሓ ጥንቅልዒት ዝተገደመት ጓልኣነስተይቲ። እቲ ጠመተ ኣብቶም ብግልጺ ዝረኣዩ ወሲባዊ ኣካላት እዩ።
ብግልጺ ዝረኣዩ ናይ ጓልኣነስተይቲ ወሲባዊ ኣካላት እዞም ዝስዕቡ እዮም: 1. ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ፣ 2. ውሽጣዊ ከንፈር ርሕሚ፣ 3. ኣፍ ርሕሚ፣ 4.ጭንቅራ። መውጽኢ ሽንቲ (5) ከምኡድማ መሃንቱስ (6) ኣብ ወሲባዊ ኣካላት ኣይምደቡን።

መውጽኢ ሽንቲ ከምኡድማ መሃንቱስ ወሲባዊ ኣካላት ኣይኮኑን።

ናይ ሕድሕድ ሰበይቲ ከንፈር ርሕሚ ንበይኑ ዓይነት እዩ። ናይ ሕድሕድ ሰበይቲ ከንፈር ርሕሚ ዝተፈልየ መልክዕ እዩ ዘለዎ።

እተፈላለዩ ከንፈር ርሕሚታት: ኣብነት 1
እተፈላለዩ ከንፈር ርሕሚታት: ኣብነት 2
እተፈላለዩ ከንፈር ርሕሚታት: ኣብነት 3

ከንፈር ርሕሚን መእተዊ ኣፍ ርሕሚን

እቶም ከናፍር ርሕሚ ሻንፎት ዝመስሉ ቆርበታዊ ኣካላት እዮም። ናይ ርሕሚ፣ ጭንቅራን መውጽኢ ሽንቲን ተኸላኸልቲ እዮም።

ደቂኣነስትዮ ክልተ ጽምዲ ከናፍር ርሕሚ ኣለወን:

  • ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ: እዚኦም ኩሉግዜ ብጸጉሪ ዝተሸፈኑ ክኾኑ እንከለዉ ካብቲ ውሽጣዊ ከንፈር ርሕሚ ዝረጎዱ እዮም።
  • ውሽጣዊ ከንፈር ርሕሚ: እዚኦም ከኣ ብጸጉሪ ዘይሽፈኑ ክኾኑ እንከለዉ ካብቲ ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ ዝረቐቑ እዮም። እዚኦም ካብቲ ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ ዝዓብዩ ወይከኣ ዝንእሱ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

ገለ ደቂኣነስትዮ ካብቲ ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ ሓሊፉ ዝተወጠመ ውሽጣዊ ከንፈር ርሕሚ ኣለወን። ካልኦት ደቂኣነስትዮ ድማ ሙሉእ ብሙሉእ በቲ ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ ዝተሽፈነ ውሽጣዊ ከንፈር ርሕሚ ኣለወን። ተግባራቶም ኣብ መልክዖም ዝተደረኸ ኣይኮነን።

ኣፍደገ ናይታ ርሕሚ ኣብ መንጎ እተን ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ ይርከብ።

ጭንቅራ

እቲ ጭንቅራ ኣብ ልዕሊ ኣፍ መሸንቶ ዝርከብ ኣዝዩ ስምዒታዊ ኣካል እዩ። እቲ ጭንቅራ ኣብቲ ውሽጣዊ ከናፍር ርሕሚ ዝጋጠሙሉ ፎጋ ይርከብ።

እቲ ብግልጺ ዝረኣይ ናይ ጭንቅራ ክፋል ግዝፈቱ ኣስታት ክንዲ ዓይኒዓተር ይኸውን። ሓለሓሊፉ ድማ እቲ ብግልጺ ዝረኣይ ክፋል ካብኡ ክንእስ ወይ ክዓቢ ይኽእል እዩ። እቲ ጭንቅራ ኣብ ውሽጢ ሰውነት ዝተዘርግሑ ክልተ ዓንዲታት ኣለዎ: the corpus cavernosum. እዞም ዓንዲታት እቲ ዝዓበየ ክፋል ጭንቅራ ዝሽፍኑ እዮም። እዚኦም ኣብ ትሕቲ ቆርበት ስለዝርከቡ ቅሉዓት ኣይኮኑን። እቶም ክልተ ናይ ጭንቅራ ዓንዲታት ክሳዕ ደጋዊ ከንፈር ርሕሚ ዝተዘርግሑ እዮም።

ጭንቅራ ንናይ ጓልኣነስተይቲ ወሲባዊ ምርስሳን ኣገዳሲ ኣካል እዩ። ጭንቅራ ምትንካፍ ወይ ምድራዝ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መብዛሕትአን ደቂኣነስትዮ ወሲባዊ ምርስሳን ከምኡድማ ወሲባዊ ፍሳሃ ዝፈጥር ክኸውን እንከሎ፣ ናብ ጥርዘውነ ስጋዊ ርክብ ከምርሕ ይኽእል። 

ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪካን ኤሽያን ናይ ኣጓላትን ኣንስትን ጭንቅራ ይቑረጽ እዩ። እዚ ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ይበሃል። ምትልታል ኣካል ርሕሚ ጓልኣነስተይቲ ኣብ ኖርወይን ኣብ ኤውሮጳን ክልኩል እዩ።