እቲ zanzu.no ዝተባህለ መርበብ ሓበሬታ ብዳሬክቶሬት ጥዕና ኖርወይ ዝተሰርሐ ክኸውን እንከሎ ኣብ ትሕዝቶ መርበብ ሓበሬታ ጀርመን zanzu.de ዝተደረኸ እዩ።

እቲ ዳሬክቶሬት ኣብ ትሕቲ ሚንስትሪ ጥዕናን ኣገልግሎታት ክንክን ጥዕናን ዝመሓደር ትካል ፈጻሚ ስራሕን ሞያዊ በዓልመዚን እዩ። እቲ ዳሬክቶሬት ጥዕና ኣብ መላእ ኣገልግሎታት፣ መዳያትን ምሕደራዊ ደረጃታትን ከም ዕላማ ዝተታሕዙ ንጥፈታት ብምክያድ ናይ ዜጋታት ጥዕና ከምኡድማ ናይ ሕብረተሰብ ጥዕና ብሓፈሻ ከመሓይሽ ኣለዎ። እቲ ዳክቶሬት በቲ ኣብ መዳያት ፖሊሲ ጥዕና ከም ትካል ፈጻሚ ስራሕ፣ ከም ተቖጻጻሪ በዓልመዚን በዓል መዚ ፈጻሚ ስራሕን ኮይኑ ክሰርሕ ዝተዋህቦ ስልጣን ተጠቒሙ ከምኡ ክገብር ኣለዎ። 

እቲ ናይ ኖርወይ ቅዳሕ Zanzu ምስ ተወከልቲ ካልኦት ናይ ፈጻሚ ስራሕ ትካላት፣ ኣቕረብቲ ክንክን ጥዕና ከምኡድማ ዘይመንግስቲ ትካላት ብምትሕብባር እዩ ተዳልዩ:

እቲ "zanzu.no" ዝብል ዓውዲ "Sex og Politikk" ብዝተባህለ ብዛዕባ ወሲባዊን ናይ ስነተዋልዶን ጥዕናን መሰላት ኣብ ኖርወይን ብዓለምለኸ ደረጃን ዝሰርሕ ዘይመንግስታዊ ትካል እዩ ንዳሬክቶሬት ጥዕና ተዋሂቡ።

እቲ Zanzu ዝብል ንድፈ-ሓሳብ መጀመርያ ብማእከል ትምህርቲ ጥዕና ፌደራላዊት ጀርመን "Bundeszentrale für gesundheitliche Aufklärung" (BZgA) ከምኡድማ Sensoa፣ ብዝተባህለ ማእከል ሞያውያን ወሲባዊ ጥዕና ፍለሚሽ እዩ ተፈጢሩ። እቲ ስራሕ ከም ኣካል ፕሮግራም ጥዕና ኤውሮጳዊ ሕብረት ብኤውሮጳዊ ሕብረት እዩ ተመዊሉ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን፣ Zanzu ብናይ ጀርመንቤልጄም፣ ደችን ኖርወይን ሕታማት ይርከብ። እዘን መርበባት ሓበሬታ ነናይ ሃገረን ሃገራዊ መሰላትን ሕጊታትን ከምዘንጸባርኻ ተጌረን ስለዝዳለዋ ትሕዝቶአን ቁሩብ ይፈላለ እዩ። እቲ ዳሬክቶሬት ጥዕና ኖርወይ ኣብቲ ናይ ኖርወይ መርበብ ሓበሬታ ንዘሎ ትኽዝቶ ጥራይ እዩ ግቡእት ዝወስድ።