ስጋዊ ርክብን ኣልኮልን

ኣልኮል እንተሰቲኻ፣ ስጋዊ ርክብ ምግባር ዝያዳ ቃሕ ክብለካ ይኽእል ግንከኣ ብዙሕ ኣይትዕቀብን ኢኻ።

ቅድሚ ስጋዊ ርክብ ምግባርካ ምስታይ ኣሉታዊ ጽልዋታት እውን ኣለዎ። ዝያዳ ብዝሰተኻ ቁጽሪ፣ እቶም ጽልዋታት እናኸበዱ ይኸዱ:

  • ብዛዕባ ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት፣ ኤችኣይቪ ወይድማ ዘይተደልየ ጥንሲ ስግኣተ-ሓደጋ እትህቦ ትኹረት ትሑት ይኸውን። መከላኸሊ ኣልቦ ስጋዊ ርክብ ክትገብር ትኽእል። ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ኮንደም ተጠቐም።
  • ብዙሕ ነብስኻ ስለዘይትቆጻጸር ክትሰማመዐሎም ዘይትደልዮም ነገራት ክትገብር ትኽእል ኢኻ።
  • ኣብ ጥርዘውነ ንኽትበጽሕ ብዙሕ ግዜ ከድልየካ ይኽእል ከምኡድማ እቲ ጥርዘውነ ከኣ ብዙሕ ሓያል ዘይክኸውን ይኽእል። 
  • ወሲባዊ ቃሕታኻን ወሲባዊ ምርስሳንካን እውን ክንኪ ይኽእል እዩ። እዚ ኣብ ደቂኣነስትዮ ብተደጋጋሚ ዘጋጥም እዩ።
  • ሰብኣይ ከኣ መትሎኡ ምውታር ክኣብዮ ይኽእል። ሓደሓደ ግዜ ድማ ፈጺሙ ጠጠው ዘይክብለሉ ይኽእል።

ስጋዊ ርክብን ዕጸፋርሳትን

ዕጸፋርሳት ምውሳድ እውን ኣብ ወሲባዊ ተመኩሮኻ ጽልዋ የሕድር እዩ። 

ካልእ ዝተጠቕመሉ በሊሕ ነገር ክትጥቀም እንከለኻ ኤችኣይቪ ክሓልፈካ ይኽእል እዩ። ኩሉግዜ ናይ ባዕልኻ ኣቕሓ ተጠቐም። ንኻልኦት ሰባት ኣይተካፍል።

ኣልኮል፣ ዕጸፋርሳትን ጽግየትን

ዕጸፋርሳትን ኣልኮልን ብቐጻሊ ንነዊሕ ግዜ እንድሕር ወሲድካ፣ ጽግየትካ ክንኪ ይኽእል እዩ።