ሰውነት

ኣብ እዋን ጥንሲ ቆልዓኺ ብዙሕ ለውጢታት እዩ ዘርኢ። እዞም ዝስዕቡ ለውጢታት ከተተኣናግዲ ኢኺ:

ሓደ ወይ ዝያዳ ካብዞም ዝስዕቡ ምቾት ዘይህቡ ነገራት ከጋጥሙኺ ንቡር እዩ:

  • ስግድግድ;
  • ድኻም;
  • ዓጽረ ሽንቲ (ኩስሒ ይኣብየኪ);
  • ኣጥቧትኪ ይሓብጣን የቐንዝዋኺን;
  • እናሻዑ ሽንቲ ክትሸኒ ናብ እንዳ ሽንቲ (ሽቓቕ) ምምልላስ;
  • ናይ ግርጻን ረኽሲ

 ዳሓር ኣብ ጥንስኺ፣ እተፈላለዩ ምቾት ዝኸልኡ ነገራት ከጋጥሙኺ ይኽእሉ እዮም: 

  • ሕንጻጽ መሰል ስምብራታት ኣብ ከብድኺ; 
  • ኣእጋርኪን ከብዲ እግርኺን የቐንዝወኪ/ይሓብጠኪ; 
  • ዝባንኪ የቐንዝወኪ።

ስምዒታት

ስምዒታትኪን ባህርያትኪን እናሻዑ ይቀያየሩ። ንኣብነት፣ ንሓጺር ሰዓት ሕጉስቲ ትኾኒሞ ጽንሕ ኢልኪ ከኣ ጓሂ ወይ ሻቕሎት ይስመዓኪ። 

ስግድግድ

  • ፍኹስ ዝበለ ቁርሲ ብልዒ;
  • ሙሉእ መዓልቲ ነንእሽተይ እናገበርኪ ብዙሕ ግዜ ብልዒ;
  • ቀትሪ እኹል ማይ ስተዪ;
  • ኣብ መዓልቲ ካብ 3 ንላዕሊ ዘምልሰኪ እንተኾይኑ ናብ ዶክተር ኪዲ።

ከምዚ ዝስዕብ ምግባር እውን ክጠቕመኪ ይኽእል እዩ:

  • ቅድሚ ካብ መደቀሲኺ ምውጻእኺን ናብ መደቀሲኺ ምእታውኪን ገለ ንእሽተይ መግቢ ብልዒ; 
  • ቁሩብ ጸባ ወይ ናይ ጅንጅብል ሻሂ ስተዪ።

ድኻም

  • ብዙሕ ኣዕርፊ;
  • ኣብ ደምኪ እኹል ሓጺን ከምዘለኪ ንምፍላጥ ናብ ዶክተር ኪዲ።

ዓጽረ ሽንቲ

  • ብዙሕ ማይ ስተዪ;
  • ከም ዘይተፈተጉ ኣእካል፣ ኣሕምልቲን ፍሩታታትን ዝኣመሰሉ ብልዒ;
  • ንጥፍቲ ክትኮኒ ኣለኪ።

ናይ ግርጻን ረኽሲ

  • ኣስናንኪ ኣብ መዓልቲ 2 ግዜ ብብሩሽ ሕጸቢ;
  • መጽረጊ ስኒ ፈትሊን ስንጣር ስኒን ተጠቐሚ;
  • እቲ ረኽሲ እንድሕር ቀጺሉ ናብ ሓኪም ስኒ ኪዲ። 

ሕንጻጽ መሰል ስምብራታት

ኣብ እዋን ጥንሲኺ ብናይቶም ሕንጻጽ መሰል ስምብራታት ቁስሊ እንድሕር ተጨኒቕኪ፣ ከብድኽ ብመለስለስቲ ክሬማት ወይ ዘይቲታት ምድራዝ ነቲ ቁስለት ከህደአልኪ ይኽእል እዩ። 

ኣእጋርኪን ከብዲ እግርኺን የቐንዝወኪ/ይሓብጠኪ

ኮፍ ክትብሊ እንከለኺ ኣእጋርኪ ሓፍ ኣብሊ።

ናይ ዝባን ቃንዛ

  • ታሕተዋይ ክፋል ዝባንኪ ጽቡቕ ደገፍ መታን ክረክብ ኮፍ በሊ።
  • ከበድቲ ነገራት ከተልዕሊ እንከለኺ ኣብራኽኪ ዕጸፊ;
  • ነዊሕ መርገጺ ዘለዎም ጫማታት ኣይትግበሪ;
  • ቀለልቲ ኣካላዊ ምንቅስቓሳት ግበሪ፣ ንኣብነት: ናይ እግሪ ጉዕዞ፣ ምሕምባስ ወይድማ ብሽክለታ ምዝዋር።

ድሕሪ ሕርሲ

ድሕሪ ሕርሲ፣ ኣካላትኪ ካብቲ ቅድሚ ሕርሲ ዝነበሮ ኣቃውማ ቁሩብ ኣፈላላይ ክህልዎ ይኽእል እዩ። ንኣብነት: ናይ ክብደት ኣፈላላይ፣ ናይ ሰውነትን ኣጥቧትን ቅርጺ ለውጢ።