ጽዑቕ ናይ ፍቕሪ ግዜ ምስ ኣሕለፍኩም፣ እናዘሓልኩም ክትመጹ ንቡር እዩ። ንሓድሕድኩም ዝያዳ እናተፋለጥኩም ትመጹ ከምኡድማ ርክብኩም ኣዚኹም እናለመድኩምዎ ትመጹ ኣለኹም ማለት እዩ። ሽዕኡ ብሓባር ምዃን ልሙድ ዕለታዊ ከይዲ ይኸውን።

ንገለ ሰባት፣ ልሙድ ከይዲ ህይወት ጸገም እዩ፣ ንኻልኦት ድማ ርግኣትን ዳግመ-ምትእምማን ዝፈጥርን ስምዒት ይህቦም። ንሓድሕድኩም ዝያዳ እናተፋለጥኩም ምምጻእን ምልምማድን ናይ ርግኣትን ውሑስነትን ስምዒት እውን ክፈጥረልኩም ይኽእል እዩ።

ልሙድ ዕለታዊ ተግባራት ጸገም እዩ ኢልኩም ትሓስቡ እንተኾንኩም፣ ንገዛእርእስኹም እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ሕተቱ:

መጻምድትኺ ንስኺ ነገራት ፍሉያት ክኾኑ ከምትደልዪ ዝፈልጥ እንተኾይኑ፣ ብሓባር ኮንኩም ፍታሕ ከተናድዩ ትኽእሉ ኢኹም። እዚ ርክብኩም ኣዝዩ ጽዑቕ ከምዝኸውን ክገብር ይኽእል። ብሓባር እተሕልፉዎ ግዜ ይሃልኹም ከምኡድማ ብሓባር ኮንኩም ሓደሽቲ ንጥፈታት ግበሩ። ንኣብነት: ብዙሕ ግዜኹም ኣብ ገዛ ተሕልፉ ዘለኹም ኮይኑ እንተተሰሚዑኩም ናብ ደገ ውጽእ በሉ; ናይ ስጋዊ ርክብ ህይወትኩም መጽልኢ ይኸውን እንተልዩ እውን ገለ ሓድሽ ነገር ፈትኑ። እዚ ዘሕጉስን መዛነዪን ክኸውን ይኽእል እዩ።

ልሙድ ነገራት ምቕያር ማለት ርክብኩም ከተፍርሱዎ ኣለኩም፣ ወይድማ ካብ ርክብኩም ወጻኢ ዘሕጉሰኩም ነገር ከተናድዩ ኣለኩም ማለት አይኮነን። ብሓቂ እንታይ ከምዝደለኹም ንገዛእርእስኹም ሕተቱ። 

ቆልዑት ምውላድ ኣብ መንጎ መጻምድቲ ዘሎ ርክብ ክቕይሮ ይኽእል እዩ። ንሓድሕድኩም ግዜ ተወሃሃቡ።