ፖርኖግራፊ ወሲባዊ ባህሪ ብስእሊታት፣ ፊልሚታት፣ ቅብኣታት ወይ ብጽሑፋት የርኢ። ሰባት ንገዛእርእሶም ኣብ ወሲባዊ ረስኒ ንምሽማም ፖርኖግራፊ ክጥቀሙ ይኽእሉ እዮም። እቲ ጠመተ ኣብ ስጋዊ ርክብ እዩ። ስምዒታት ኩሉግዜ ኣይረኣዩን።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ፖርኖግራፊ ብዙሓት ሰባት ብቐሊሉ ዝረኽቡዎ ነገር እዩ – ንኣብነት ኣብ ኢንተርነት። እቲ ፖርኖግራፊ ዘይሕጋዊ ክሳዕ ዘይኮነ ፖርኖግራፊ ምፍታውን ምጥቃምን ቅቡል እዩ። ገለ ሰባት ፖርኖግራፊ ይፈትዉ፣ ካልኦት ከኣ ኣይፎትዉን።

ፖርኖግራፊን ሓቃዊ ስጋዊ ርክብን

ትሕዝቶ ፖርኖግራፊ ብሰፊሑ ዝፈላለ ክኸውን ይኽእል እዩ። ልክዕ ከም ምርጫታት ደቂሰባት ኣዝዩ ብዙሕ ዓይነት እዩ።

እቲ ኣብ ፖርኖግራፊ ዝረኣይ ስጋዊ ርክብ ብዙሕ ግዜ ኣዝዩ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ። ንኣብነት:

  • ኣካላት ሰውነት: ፖርኖግራፊ ሓለሓሊፉ ዘይንቡር መሸከል ዝሓዙ ሰውነታት የርኢ። ኣንስቲ፣ ንኣብነት፣ ኣዝዩ ገዘፍቲ ኣጥቧት ከምዝህልወን፣ ሰብኡት ድማ ኣዝዮም ገጀፍቲ መትሎታት ከምዝህልዉዎም ይግበር። ይኹን እምበር፣ ካልኦት ዓይነታት ሰውነት ዘለዉዎም ሰባት እውን ይረኣዩ እዮም።
  • ወሲባዊ ልምዲታት: ፖርኖግራፊ ሒደት መጻምድቲ ክፍትኑዎም ዝደልዩዎም ወሲባዊ ልምዲታት ከርኢ ይኽእል እዩ።
  • ወሲባዊ ጠባይ: ፖርኖግራፊ ሰብኣይን ሰበይቲን ኣብ ዝኾነ እዋን ወሲብ ክገብሩ ይደልዩ ዝብል መልእኽቲ ሕልፍ፣ ይኹን እምበር እዚ ብጭቡጥ ክኸውን ዘይኽእል ነገር እዩ።

እቲ ሓቂ ካብቲ ኣብ ፖርኖግራፊ እንርእዮ ኣዝዩ ዝረሓቐ እዩ። ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ እንከለኹም፣ ከም መጠን መጻምድቲ ክልቴኹም ንዓኹም ዝጥዕመኩም ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም።

ኣዝዩ ብዙሕ ፖርኖግራፊ

ፖርኖግራፊ ምርኣይ ጸገም ዝኾነሉ ኩነታት ክፍጠር ይኽእል እዩ። ንኣብነት፣ ብዙሕ ግዜ ፖርኖግራፊ ትርኢ እንተኾንካን ነብስኻ ምቁጽጻር እንተኣብዩካ ወይከኣ ብኡ ትሳቐ እንተሊኻ። እዚ ኣባኻ እንተጋጢሙ፣ ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ ወይ ካብ መንግስታዊ ማእከል ጥዕና ከምኡድማ ካብ ኣገልግሎታት ጥዕና ቤት ትምህርቲ ማዕዳ ካትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ፖርኖግራፊን ሕጊን

ኣብ ኖርወይ ፖርኖግራፊ ምስራሕ፣ ምዝርጋሕ ከምኡድማ ምርኣይ ወይ ምዕዛብ ብሓፈሻ ፍቑድ እዩ። ዘቐይም ወይድማ ክብሪ ዘዋርድ ፖርኖግራፊ፣ ንኣብነት ሬሳታት፣ እንስሳ፣ ህውከት ወይ ምጉብዕባዕ ዘለዎ ፖርኖግራፊ ብሕጊ ክልኩል እዩ። ብተወሳኺ ዕድሚኦም ትሕቲ 18 ዓመት ዝኾኑ ቆልዑት ዝዋስኡሉ ወሲባዊ ስእሊታት ወይ ቪድዮ ምስራሕ፣ ምዝርጋሕ ወይድማ ምርኣይ (ናይ ህጻን ፖርኖግራፊ) ብሕጊ ክልኩል እዩ።