ሓንቲ ሰበይቲ ንመጀመርያ ግዜ ዘኣጎለ እንቋቑሖ ክረኣያ እንከሎ ክትጠንስ ትኽእል እያ (ናይ መጀመርያ ዑደታ)። እዚ ማለት እታ ሰበይቲ ጸጋይት እያ ስለዚ ቅድሚ ናይ ፈለማ ክፍ ለግዜ ወርሓዊ ጽግያታ ክትጠንስ ትኽእል እያ ማለት እዩ

ድሕሪ ናይ ፈለማ ዘኣጎለ እንቋቑሖኣ፣ እታ ሰበይቲ ኣብ ሕድሕድ ወርሒ ንኣስታት 6 መዓልቲ ጸጋይት እያ። ሓንቲ ሰበይቲ ኣብዞም ዕለታት እዚኦም ወሲባዊ ርክብ እንተፈጺማ፣ ዋላ ናይ ፈለማ ስጋዊ ርክብ ይኹን፣ ክትጠንስ ትኽእል እያ። 

ሰብኣይ ድማ ንመጀመርያ ግዜ ዕልቋቕ ካብ ዘፍሰሰሉ ግዜ ጀሚሩ ጸጋዪ ይኸውን። ንሱ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ እዋን ጉብዝና ዕልቋቕ የመንጪ። ሓደ ሰብኣይ ዋላ ንመጀመርያ ግዜ ስጋዊ ርክብ ኣብ ዝገበረሉ እዋን፣ ንታ ሰበይቲ ከጥንሳ ይኽእል እዩ።

ቆልዑት ክትወልዱ ዘይትደልዩ እንተኾንኩም መከላኸሊ ጥንሲ ተጠቐሙ