ቃንዛኺ ሙሉእ ብሙሉእ ክሳዕ ዝጠፍአልኪ ስጋዊ ርክብ እንተዝትገብሪ ይምረጽ። ኣብ መንጎ ርሕሚን መሃንቱስን (ፈንዶት) ኣብ ዘሎ ኣካሊት እንድሕር ተጠቢሕኺ ወይከኣ እንተተቐዲዱ፣ ክሳዕ ዝሓዊ ተጸበዪዩ። እቲ ዶክተር ወይ መሕረሲት ማዕዳ ክህቡኺ ይኽእሉ እዮም።

ድሕሪ ሕርሲ ንመጀመርያ ግዜ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ እንከለኺ ተጠንቀቒ። ብቐስታን ኣለሳሊስኩምን ግበሩ።

ከም መጠን መጻምድቲ ህይወትኪም ሚዛን እተትሕዙሉ ሓድሽ መንገዲ ከተናድዩ ኣለኩም። ሕጽረት ድቃስ፣ ጭንቂን ስምዒታትን ንናይ ስጋዊ ርክብ ህይወትኩም ክጸልውዎ ይኽእሉ እዮም:

  • ብዙሓት ኣንስቲ ድኻም ይስመዐን፣ ርሕመን የቐንዝወንን ይነቅጽን ከምኡድማ ኣጥቧተን የቐንዝወን። ስጋዊ ርክብ ምግባር ቃሕ ኣይብለንን (ትሑት ወሲባዊ ቃሕታ)።
  • ብተወሳኺ ሰብኡት እውን መጻምድቶም ከይጎድኡ ስለዝፈርሑ ስጋዊ ርክብ ዘይክደልዩ ይኽእሉ። 

ዓይነት ስጋዊ ርክብ

ስጋዊ ርክብ መትሎ ናብ ርሕሚ ምስላዅ ጥራይ ኣይኮነን። እተፈላለዩ ዓይነታት ስጋዊ ርክብ ኣለዉሴጋ ክትገብሩ፣ ክትደራረዙ፣ ማሳጅ ክትገባበሩ፣ ክትተሓቛቖፉ ወይድማ ምስ መጻምድትኻ ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። 

እተፈላለዩ ዓይነታት ስጋዊ ርክብ - ኣብነት 1: ሴጋ
እተፈላለዩ ዓይነታት ስጋዊ ርክብ - ኣብነት 2: ምኩሻም
እተፈላለዩ ዓይነታት ስጋዊ ርክብ - ኣብነት 3: ምትሕቑቛፍ
እተፈላለዩ ዓይነታት ስጋዊ ርክብ - ኣብነት 4: ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ