ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ኣለኒ ዝብል ጥርጣረ እንድሕር ኣለካ፣ ናብ ዶክተር ኬድካ ክትምርመር ትኽእል ኢኻ። 

ነጻ ኾንካ ምስቲ ዶክተር ክትዘራረብ ትኽእል ኢኻ። ንሱ/ንስኺ ንዓኺ/ኻ ንኽሕግዘኪ/ንኽትሕግዘካ ክንዲ ዝተኻእለ ብዙሕ ሓበሬታ ክረክብ/ክትረክብ ኣለዎ/ዋ። እቲ ዶክተር ንዓኻ ዝምልከት ሓበሬታ ንኻልእ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይክእልን። ንሱ/ንሳ ስትረትኪ/ካ ክሕሉ/ክትሕሉ ብሕጊ ይግደድ/ትግደድ እዩ/ያ

ናይ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ መርመራ

እቲ ምርመራ በዚ ዝስዕብ ኣገባብ እዩ ዝካየድ:

  • እቲ ዶክተር እንታይ ዓይነት ስጋዊ ርክብ ጌርካ ኔርካ፣ ምልክታት ተራእዮምኻዶ ይፈልጡ፣ እንታይ ዓይነት ምልክታት ነይሮም ዝብሉ ሕቶታት ክሓተካ እዩ።
  • ገለ ምልክታት እንድሕር ኔሮምኻ፣ እቲ ዶክተር ነቶም ብቕሉዕ ዝረኣዩ ወሲባዊ ኣካላትካ፣ ኣፍካን ወይድማ መሃንቱስካን ክምርምረካ እዩ። 
  • እቲ ዶክተር እንታይ ዓይነት መርመራታት ከምዘድልዩኻ ይርኢ። እዚ ናይ ሽንቲ መርኣያ፣ ናይ ርሕሚ፣ ናይ ጎሮሮ ወይ ናይ መሃንቱስ ሕሳስ፣ ወይከኣ ናይ ደም መርኣያ ክኸውን ይኽእል። 
  • እቲ ዶክተር ነቶም መርኣያታት ክምርመሩ ናብ ላብራቶሪ ይሰዶም።
  • እቲ ዶክተር ነቶም ውጽኢታት ኣስታት ድሕሪ 1 ሰሙን ይቕበሎም።
  • እቲ ዶክተር እቶም ውጽኢታት ይገልጸልካ ኣብ ቀጻሊ ብዛዕባ ዝውሰዱ ስጉምቲታት እውን የዕልለካ። ኣገዳሲ እንተኾይኑ ከኣ፣ ንሱ/ንሳ መሕከሚ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፍ ረኽሲ ዝኾኑ ኣፋውስ ይህቡኻ። መብዛሕትኦም ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክፍወሱ ይኽእሉ እዮም ወይከኣ ምልክታቶም ይሕከሙ።
እቲ ዶክተር ናይ ደም መርኣያ እናወሰደ
ዶክተር ንመርመራ ዝኸውን ፈሳሲ ካብ ኣፍ ሓሲሱ እናወሰደ