ኣብ እዋን ጥንስኺ ስጋዊ ርክብ ክትገብሪ ትኽእሊ ኢኺ።

ገለ ኣንስቲ ኣብ እዋን ጥንሰን እናሻዑ ስጋዊ ርክብ ክገብራ ይደልያ ገሌአን ከኣ ድሌተን ይንኪ።

  • ኣብተን ናይ ቀዳሞት ናይ ጥንሲ ኣዋርሕ፣ ብዙሓት ኣንስቲ ስጋዊ ርክብ ቃሕ ኣይብለንን። ሽዕኡ ስግድግ ይብለን ይደኽመን ከምኡድማ ኣጥቧተን የቐንዝወን እዩ። ብዙሓት መጻምድቲ ብዛዕባ መጻኢ ግዜ ይጭነቑን ይሻቐሉን እዮም።
  • ብኻልእ መዳይ ድማ፣ እቲ ርሕሚ፣ ጭንቅራን መቑለመታትን ተኣፈፍቲ እዮም። ገለ ኣንስቲ እናሻዑ ስጋዊ ርክብ ምግባር ቃሕ ይብለን።
  • ገለ ኣንስቲ ድማ ኣብ እዋን ጥንሲ ስጋዊ ርክብ ምግባር ምቾት ዘይህበን ወይድማ ኣዝዩ ዘቐንዝወን እዩ።

ገለ ሰብኡት ድማ ጥንስቲ መጻምድቶም ከይጎድእዋ ወይድማ ነቲ ዕሸል ከይሃስዩዋ ስለዝፈርሑ ስጋዊ ርክብ ክገብሩ ኣይደልዩን።

ኣብ ልዕሊ ዕሸል ዘስዕቦ ጉድኣት የለን

ስጋዊ ርክብ ኣብ ልዕሊ ዕሸል ዘስዕቦ ጉድኣት የለን ምኽንያቱ እቲ ማህጸን ስለዝከላኸለሉ። ዕልቋቕ ናብቲ ማህጸን ክኣቱ ኣይክእልን። ናይ ማህጸን ኣፍ ተዓጽዩ እዩ።

ምብርዓን ጥንሲ ከስዕብ ዝኽእል ስግኣተ-ሓደጋ እውን የብሉን፣ ይኹን እምበር ዶክተር ስጋዊ ርክብ ከይትገብሩ እንድሕር ኢሉኩም ግን ኣይትግበሩ።

ስጋዊ ርክብ መትሎ ናብ ርሕሚ ምስላዅ ጥራይ ኣይኮነን። እተፈላለዩ ዓይነታት ስጋዊ ርክብ ኣለዉሴጋ ክትገብሩ፣ ክትደራረዙ፣ ማሳጅ ክትገባበሩ፣ ክትተሓቛቖፉ ወይድማ ምስ መጻምድትኻ ናይ ኣፍ ስጋዊ ርክብ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም።

ጠጠው ዝበለት ጥንስቲ ጓልኣነስተይቲ። እቲ ትኹረት ኣብቶም ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላትን እቲ ዕሸል ዝሓዘ ማህጸንን እዩ።
ናይ ጥንስቲ ሰበይቲ ውሽጣዊ ወሲባዊ ኣካላት ዝርዝራት። እቲ ዕሸል ኣብ ውሽጢ ማህጸን እዩ ዘሎ። መትሎ ናብ ርሕሚ ይሰሉኽ ኣሎ ኣብ ማህጸን ግን ክበጽሕ ኣይክእልን።

ኣተፈላለዩ ኣገባብራታት

እተፈላለዩ ዝያዳ ምቾት ዝህቡን ቃንዛ ዝንክዩን ዓይነታት አገባብራ ክትፍትኑ ትኽእሉ ኢኹም።

ስጋዊ ርክብ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብነት 1: እታ ጥንስቲ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰብኣይ ኮፍ ኢላ።
ስጋዊ ርክብ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብነት 2: እቲ ሰብኣይን እታ ጥንስቲ ሰበይቲን ጎኒ ንጎኒ ተገዲሞም፣ እቲ ሰብኣይ ብድሕሪት እታ ሰበይቲ።
ስጋዊ ርክብ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብነት 3: እታ ጥንስቲ ሰበይቲ ብኣእዳዋን ኣብራኻን ተጎምቢሓ ኣላ። እቲ ሰብኣይ ብድሕሪታ ብብርኩ ተምበርኪኹ ኣሎ።

ምክልኻል ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት

ንገዛእርእስኹም ካብ ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ረኽሲታት ንምክልኻል ኣብ እዋን ጥንሲ እውን ኮንደም ክትጥቀሙ ኣለኩም። ማህጸንኪ ብርክብ ግብረስጋ ብዝመሓላለፉ ረኽሲታት ክልከፍ ይኽእል እዩ